ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብጉዳይ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ’ዩ

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብጉዳይ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ’ዩ

Radio Erena: 07 January 2015

Arab Leage

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ’ዩ።

እቲ ማሕበር ኣብቲ ንሰንበት 10 ጥሪ፣ ኣብ ካይሮ ዘካይዶ ኣኼባ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢራን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ክዘራረብን ኣብ ጉዳይ ኢራን ከኣ ኣብ ሓባራዊ ውሳኔ ክበጽሕን ትጽቢት ይንበረሉ።

ይኹን’ምበር እቲ ማህበር ብዛዕባ’ቲ ስዑዲ ዓረብ ዝወሰደቶ ጃምላዊ ቅትለት ክሱሳት ግብረ ሽበራ ብዝምልከት ዝኾነ ርእይቶ ከምዘይብሉ’ዩ ብኣግኡ ዝግለጽ ዘሎ።

 

ስዑዲ ዓረብ፣ ሃይማኖታዊ መራሒ ሺዓ፣ ኒምር ኣል ኒምር ዝርከቦም 47 ሰባት ኣብ 2 ጥሪ ብሞት ድሕሪ ምቕጽዓ፣ በቲ ፍጻሜ ዝተቆጥዑ ኢራናውያን፣ ኣብ ከተማ ቴህራን ንዝርከብ ኤምባሲ ስኡዲ ዓረብ ብሓዊ ከምዘቓጸሉ ይፍለጥ።

ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ኸኣ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ባሕሬን፣ ሱዳን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኩዌት ምስ ኢራን ዝነበረን ዝምድና ክበትካ እንከለዋ፣ ኤርትራ ከኣ ንስዑዲ ዓረብ ዝድግፍ መግለጺ ብ5 ጥሪ 2015 ብምውጻእ፣ ኣብ ቴህራን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒና።

ጅቡቲ’ውን ኣሰረን ብምስዓብ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና በቲኻ ምህላዋ ማዕከናት ዜና ኢራን የመልክታ።

ባይቶ ጸጥታ ህቡራት ሃገራት’ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኑ ኣሎ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ካይሮ ዝካየድ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ከኣ፣ ኣባል’ቲ ብስዑዲ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ዝኾናት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓባራዊ መርገጺ ብምሓዝ ተወሳኺ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ክወስዳ ንምድፍፋእ’ዩ።

ኣባል’ዚ ሓድሽ ቆይሙ ዘሎ እስላማዊ ኪዳን ኮይና ዘላ ኤርትራ፣ ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ከምዘይኮነት ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0