ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ምስ ጀርመናዊት ክለብ ተጸንቢሮም

ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ምስ ጀርመናዊት ክለብ ተጸንቢሮም

Radio Erena: 07 January 2015

Cycle Eri

ኣህጉራውያን ክለባት ቅድድም ብሽክለታ፣ የዒንተን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ኣንቢረናሉ ኣብ ዘለዋ እዋን፣ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ ኤይድ ኣብዚ ዓመት ክልተ ተወሰኽቲ ኤርትራውያን ጸንቢራ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

እታ ጋንታ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ ኣብ ዓመት 2016 ንኣባል ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክልተ ኤምቲኤን ኩቤካ ዝነበረ ሜሮን ተሾመን ኣማኑኤል መንግስን ከተፈርምን እንከላ፣ ኣቀዲሙ ምስኣ ዝተጸንበረ ሜሮን ኣማኑኤል’ውን ኣባላ ኮይኑ ክቕጽል ምዃኑ ኣረጋጊጻ።

እታ ጋንታ ብጠቕላላ ጸንቢራቶም ካብ ዘላ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ እቶም 3 ኤርትራውያን’ዮም። እቶም ክልተ ሩዋንዳውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቲ ሓደ ከኣ ታንዛንያዊ’ዩ።

 

ዝበዝሑ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጸንቢራ እትርከብ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ፣ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኤምቲኤን ኩቤካ’ያ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ክልተባት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ጀርመን፣ ቤልጁምን ካልኦትን እናተጸንበሩ ኣህጉራዊ ተፈላጥነቶም ኣብ ምዕባይ ይርከቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብሉጽ ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝተዓወተ፣ ፕሮፌሽናል ተቀዳዳምዩ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ሎሚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዙር ፈረንሳ፣ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝበለጸ ዓወታት ክጎናጸፍ ዘለዎ ተስፋ ምግላጹ መርበባት ቅድድም ብሽክለታ ይገልጻ ኣለዋ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተሳተፈ ናይ መጀመርያ ጸሊምቲ ኣፍሪቃውያን ብምዃን ክብረ ወሰን ምጭባጦም ይዝከር።

ብፍላይ ዳኒኤል ኣብ ቦኽሪ ሱታፌኡ፣ ኣምበሳ ዓቐብ ብምዃን ንዝተወሰነ መዓልታት ምቕጻሉ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ ኣፍሪቃን ኤርትራን ፍሉይ ክብሪ ሒዙ ይርከብ።

============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0