ኤቦላ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ልዕሊ 2800 ሰባት ቀቲሉ

ኤቦላ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ልዕሊ 2800 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena : 23 September 2014

Ebola

ሕማም ኢቦላ፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ ግዜ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሽዱሽተ ወርሒ በዚ ሕማም ናይዝሞቱ ቁጽሪ ግዳያት 2811 ከምዝበጽሐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ዛጊት ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ 5864 ሰባት በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ከምዘለው’ውን ኣስሚርሉ።

ላይበርያ እታ በቲ ሕማም ቀንዲ ተጠቒዓ ዘላ ሃገር ኮይና፣ ካብ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ 3022 ሰባት ልዕሊ 1550 ከምዝሞቱ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ገሊጹ።

 

ኢቦላ፣ ኣብ ጊኒ፣ ላይበርያ፣ ሰራልዮን፣ ሰኔጋልን ናይጀርያን ተራእዩ ምህላዉ ክረጋገጽ እንከሎ፣ ናብ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ከየስፋሕፍሕ’ውን ሻቕሎት ኣሎ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0