ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐይዶምሉ ዘለዉ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ክዕጾ ኣዘዙ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐይዶምሉ ዘለዉ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ክዕጾ ኣዘዙ

Radio Erena : 23 September 2014

Holot

ኣስታት 2 ሽሕ ኤርትራውያንን ሱዳናውያን ተቐይዶምሉ ዘለዉ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ክዕጾ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ወሲኑ።

ላዕለዋይ ቤት እስራኤል ብሰኑይ 22 መስከረም ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ እቲ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ሓተቲ ዑቕባ ተቀይዶምሉ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ክዕጾ ኣዘዚ ኣሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ፣ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ብዘይዝኾነ ፍርዲ ንሓደ ዓመት ክእሰሩ ዝብል ትእዛዝ’ውን ከይትግብር ምውሳኑ ማዕከናት ዜና እስራኤል ገሊጸን።

 

ክኢላታት ሕጊ ናይቲ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ’ቲ ውሳኔ ኣብ ዝሃብዎ ተወሳኺ መብርሂ፣ ሖሎት ክዕጾ ዝተኣዘዘሉ ምክንያት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብግሁድ ይጥሕስ ስለዘሎ ምዃኑ ኣስሚሮም። 

ውሳኔንኦም ድማ ናብ ባይታ እስራኤል ክነሰት ከምዘቕረብዎ ኣረጋጊጾም።

ብመሰረት እቲ ውሳኔ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ናብ እስራኤል ብዘይሕጊ ዝኣተወ ዝኾነ ሓታቲ ዑቕባ 60 መዓልታት ወይ ክልተ ወርሒ ጥራይ’ዩ ክእሰር።

ኣብ በረኻ ዝተደኮነ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ክፉት ቤት ማእሰርቲ’ዩ እናበለ መንግስቲ እስራኤል ዝገልጾ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሖሎት ዝርከቡ ኣስታት 2 ሽሕ ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ፣- ንግሆ፣ ቀትርን ምሸትን ፎሌን ወይ ቁጽጽር ከምዝግበረሎም’ዩ ዝፍለጥ።

ቤት ፍርዲ እስራኤል ኣሕሊፍዎ ብዘሎ ትእዛዝ መሰረት ድማ እቲ ቤት ማእሰርቲ ክሳብ ዝዕጾ፣ መዓልታዊ ሰለስተ ግዜ ዝነበረ ምቁጽጻር፣ ናብ ክልተ ግዜ ማለት ምሸት ሰዓት 10ን ናይ ንግሆ ሰዓት 6ን ክኸውን’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣቐዲሙ’ውን ነቲ መንግስቲ እስራኤል ዘሕለፎ፣ ሓተቲ ዑቕባ ብዘይፍርዲ ንሰለስተ ዓመት ክእሰሩ ዝብል ውሳኔ ከምዘፍረሶ ዝዝከር’ዩ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0