ደቡብ ሱዳን፣ ሓድሽ ግጭት ኣብ ላዕላይ ኒል

ደቡብ ሱዳን፣ ሓድሽ ግጭት ኣብ ላዕላይ ኒል

Radio Erena : 23 September 2014

UpperNile

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዞባ ላዕለዋይ ኒል፣ ሓድሽ ግጭት ከምዝተወልዐ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ኣብ ከባቢ ናይታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ከተማ ሬንክ ዝተወልዐ ግጭት፣ ብሬክ ማሻር ዝምርሑ ተቓወምቲ ብመንግስቲ ኣልበሽር እናተደገፉ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝጀመርዎ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ወቒሱ።

ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኣባል ፓርላማ ደቡብ ሱዳን፣ እቶም ተቓወምቲ ካብ መሬት ሱዳን ዞባ ሰናር ከምዝተበገሱ ብምጥቃስ፣ ብመንግስቲ ሱዳን ከምዝተደገፉ’ውን ገሊጹ።

 

መንግስቲ ሱዳን ግና ነዚ ብኣባል ፓርላማ ደቡብ ሱዳን ዝቐረበ ክሲ ዝኾነ ምላሽ ኣይሃበሉን።

በቲ ካብ 18 መስከረም ኣትሒዙ ክካየድ ዝቐነየ ግጭት፣ ሓያሎ ከባቢታት ከተማ ሬንክ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ኣትዩ ከምዝጸንሐ ዝሓበሩ ምንጭታት መንግስቲ እታ ሃገር ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኣትያ ምህላዋ ገሊጾም።

80 ሚእታዊት ፍርያት ነዳዲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ላዕላይ ኒል፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ሬንክ ካብ ዘሎ ዒላታት ነዳዲ ዝርከብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ምሉእ ብምሉእ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ’ዩ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ኣገዳስነት ንዘለወን ከተማታት ንምቑጽጻር ግጭታት ዝቕጽል ዘሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ኩባንያታት ካናዳን ናይጀርያን ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን መዳዲ ዘተኮረ ሓድሽ ስምምዕ ኣካይዱ።

ንኩነታት ሪፖብሊክ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ሓላሊኽዎ ካብ ዘሎ ኣውራ ነጥብታት፣ ጉዳይ ነዳዲ ምዃኑ’ዩ ዝዝረበሉ።

=========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0