ኤርትራ እትርከበን 37 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዝበኣሰ ዋሕዲ ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዘለወን ተገሊጹ

Radio Erena: 23 March 2023

ሆስፒታል ከረን

ኤርትራ እትርከበን 37 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዋሕዲ ብቑዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ዘለወን ሃገራት ምዃነን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ብደረጃ ዓለም 55 ሃገራት፣ ዋሕዲ ሰብ ሞያ ጥዕና ዘለወን ምዃነን ክጠቅስ እንከሎ፣ እተን 37 ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝርከባ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ኣብዘን ሃገራት፣ ንኣስታት 100 ሽሕ ሰባት፣ ሓካይም፣ ነርሳትን ኣሕረስትን ዝርከብዎም 49 ሰብ ሞያ ጥዕና ጥራይ’ዮም ዝሽፍንዎ።

ዘይምዕሩይ ዝርግሐ ጸጋታት፣ መንግስታት ኣብ ጽላት ጥዕና ዝገብርዎ ውሑድ ወፍሪ፣ ዘይብቁዕ ምሕደራን ዋሕዚ ሞያውያን ናብ ስደትን ገለ ካብቲ ቀንዲ ነዘን ሃገራት ንዋሕዲ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣቃሊዑወን ዘሎ ነጥብታት’ዩ።

እቲ ዋሕዲ ሰብ ሞያ ንመጻኢ’ውን ብዝበኣሰ ክጋደድ ከምዝኽእል ዝኣንፈተ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ካብ 2013 ኣትሒዙ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ብ45% ክንቆልቁል ምዃኑ ኣሚቱ።

745 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝነብራ ኣህጉር ኤውሮጳ 3.4 ሚልዮን ሓካይምን 7.3 ሚልዮን ነርሳትን ክህልዉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ኣፍሪቃ፣ 300 ሽሕ ዶክተራትን 1.2 ሚልዮን ነርሳትን ጥራይ ምህላዎም እቲ ጸብጻብ የመልክት።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0