ወዱ ንፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብ ምርጫ ከምዝወዳደር ብወግዒ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 23 March 2023
ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ወዱ ነቲ ነታ ሃገር ን37 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ፣ ዩዌሪ ሚሴቬኒ ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዘለዎን ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ኡጋንዳን ዝኾነ፣ ወዲ 48 ዓመት፣ ሙሆዚ ካይነሩጉባ፣ ኣብ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ወዲ 78 ዓመት ኮይኑ ንዘሎ ኣብኡ ንምትካእ’ዩ።

ጀነራል ካይነርጉባ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብትዊተር ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ንኣቡኡ ብምትካእ መራሒ ኡጋንዳ ንምዃን ካብ ነዊሕ ዝህንጠዮ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ፣ ወግዓዊ መርገጺ መንግስቲ ኡጋንዳን ሰራዊት እታ ሃገርን ዘይውክልእ መልእኽታት ብመንገዲ ትዊተር ዘመሓላልፍ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ነቐፌታ ሓሊፉ ዝተወስደሉ ዝኾነ ስጉምቲ የለን።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ስልጣኖም ንምዕቃብ፣- ደቆም፣ ኣሕዋቶም፣ ናይ ቀረባ ኣዝማዶም፣ ደቂ ዓዶም፣ ደቂ ብሄሮምን ኣውራጅኦምን ከም ዓጀብቶምን ሰበ ስልጣን ወሰንቲ ጽፍሕታትን ከምድብዎም’ዮም ዝርኣዩ ዘለዉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዎ መራሕቲ፣ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ፣ ወዲ 80 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ባሳጎ፣ ንቦኽሪ ወዱ፣ ምክትል ፕረዚደንት ክመዝዞ እንከሎ፣ ካልኦት ደቁ፣ ኣሕዋቱን ናይ ቀረባ ኣዝማዱን ድማ ንወሰንቲ ስልጣናት እታ ሃገር ኣማሕሲሕዎም ኣሎ።

ን29 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ርዋንዳ፣ ፓል ካጋመ’ውን፣ ኢያን ካጋመ ንዝተባህለ ናይ ምክትል ተለንተ ዘለዎ ወዲ 30 ዓመት ወዱ፣ ሓደ ካብ ናይ ቀረባ ዓጀብቱ ክኸውን መዚዝዎ ይርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0