ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ግዜያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ክኸውን ብወግዒ ሸይምዎ

Radio Erena: 23 March 2024

ብማእከላይ ባይቶ ህወሓት፣ ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ክኸውን ዝተረቝሐ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወግዒ ተሸይሙ።

ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብ23 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ ንዝተወልዐ ኵናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምቛም፣ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ክኸውን ከዝሸሞ ጠቒሱ።

ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ፣ ብ22 መጋቢት ንህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ዝሰረዘ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሓደ ካብቶም ብዝልዓለ ክሃድኖም ዝጸንሐ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ውድብ፣ ፕረዚደንት ክልል ጌሩ ምሻሙ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮዮጵያውይን ርሱን ክትዓት ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ንዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ድሕሪ ምምይያጡ፣ ግዝያዊ መራሒ ክልል ትግራይ መን ምዃኑ ዘነጽር እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ከይሃበ’ዩ ጸኒሑ።

ካብ 2018 ኣትሒዙ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ንዘሎ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብምትካእ፣ ስልጣን ብወግዒ ተረኪቡ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሓድሽ መንግስቲ ትግራይ ብምቛም፣ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስሩዕ ባጀት ብምቕባል፣ ነታ ክልል ናብ ንቡር ናይ ምምላስ መስርሕ ከቐላጥፍ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ኢህወደግ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን፣ ክሳብ ሚኒስተር መራኸቢታት ዝበጽሐ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ምንባሩ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0