ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዘይተዓደመትሉ ምኽንያት ተገሊጹ

Radio Erena: 11 December 2022

ኤርትራ ኣብቲ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዝተዳለወ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዘይተዓደመትሉ ምኽኒያት፣ ብሰንኪ ኣመዝጊባቶ ዘላ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ፣ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ምምሕዳር ባይደን ብ8 ታሕሳስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ምዕራብ ሰሃራ፣ ኤርትራ፣ ሶማሊላንድ፣ ሱዳን፣ ጒኒያ፣ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዘይተዓደማሉ ምኽኒያት በብሓደ ብምጥቃስ መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ጉዳይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣሲሩዎም ዘሎ ላዕለዎት ሰበስልጣን ነበርን ጋዜጠኛታትን ብዘይምፍትሑ፣ ናይ ሃይማኖትን ሕልናን እሱራት ምእሳር ብምቕጻሉ፣ ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ምንቅስቓስን ናጽነት ብምርጋጹ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሽርክነት ከምዘዓደማ ተገሊጹ።

ኣመሪካ ኣብ 1993 ካብ’ተን ቀዳሞት ንኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት ምዃና ዝገልጹ እቶም ሰበስልጣናት ምምሕዳር ባይደን፣ ‘ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው ዝተጻወተቶ ኣሉታዊ ተራ እውን፣ ኣብቲ ዋዕላ ንከይትሳተፍ ካብ ዝገበሩዋ ምኽንያታት እዩ’ ኢሎም።

ፍልይቲ ተሓጋጋዚት ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ከም ማሊ፣ ሱዳን፣ ጒኒያን ቡርኪናፋሶን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነተን ደስኪሉ ብምህላዉ፣ ንገለ ሃገራት ሓርፋፍ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና፣ ንካልኦት ከኣ ከም ሃገር ኣፍልጦ ስለዘይተዋህበን ኣብቲ ዋዕላ ከምዘይሳተፋ ተገይሩ’ሎ ምባላ ይዝከር።

ኣብ ትንታነ ፖለቲካን ቁጠባን ዝነጥፉ ካብ ጆሃንስበርግ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ትንታነ፣ ኣመሪካ፣ ምስ ሩስያን ቻይናን ጥቡቕ ዝምድና ንዘለወን ሃገራት፣ ክትግልለን ምውሳና ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ምትፍናን ዝፈጥር’ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ካብ ዕለት 13 ታሕሳስ ጀሚሩ ንሳልስቲ ዝቕጽል ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፣ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ዝኾነ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብውልቂ ክራኸብ ከምዘይኮነ ኣብቲ ጋዜጣዊ መብርሂ ተገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0