ስዊዘርላንድ፣ ጽልኢን ጎነጽን ዝዕድም ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ብፌስቡክ ዘመሓላለፈ ኤርትራዊ ን40 መዓልታት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 12 December 2022

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበር ኤርትራዊ፣ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ናይ ጽልእን ጎነጽ ዝዕድምን ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ፌይስቡክ ብምዝርግሑ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፣ ቤት ፍርዲ ካንቶና ቲቺኖ፣ ን40 መዓልታት ክእሰርን ብገንዘብ ክቕጻዕን በይንሉ።

እቲ ክፋል ካንቶና ቲቺኖ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ሶፕራሰንሪ ከምዝነብር ዝተሓበረ ወዲ 51 ዓመት ኤርትራዊ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብካቶሎካዊት ቤተ ክርስትያን ንዝውነን ትካላት ጥዕናን ትምህርቲን ኣብ ዝሃገረሉ ኣብ 2019’ዩ፣ ብመንገዲ ፌስቡክ ንጽልእን ጎነጽን ዝዕድም መልእኽቲ ኣመሓላሊፍካ ተባሂሉ ተኸሲሱ።

ንሱ፣ ኣብቲ ብትግርኛ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ትኣቱ ከምዘላ ብምውቃስ፣ ክትዕጾ ጥራይ ዘይኮነ ብቡልዶዘር’ውን ክትዓኑ ኣለዋ ክብል’ዩ ተሰሚዑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እታ ካቶሎካዊት ቤተ ክርስትያን፣ ንሕግታት መንግስቲ ኤርትራ ከምዘይተኽብርን፣ ናይ ባዕላ ሃይማኖታዊ መንግስቲ ክትምስርት ከምእትደሊን’ውን ገሊጹ ኣሎ።

ንዝተመስረተሉ ክስትታትን ዝብየነሉ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ክሰምምዕ ብ09 ታሕሳስ ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕንዐ እቲ ኤርትራዉ ስደተኛታ፣ ዘይተጸበየ ን40 መዓልታት ‘ውን ክእሰርት ዳኛ ወሲኑ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበሩ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ዓሌትነት፣ ጽልኢ፣ ጎነጽን ጾታዊ ኣድልዎን ዝድግፍን ዘተባብዕን መልእኽቲ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ከመሓላልፉ ልሙድ ተርእዮ እናኾነ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተመስረተ ክሲን ዝተዋህበ ብይንን ንኻልኦት መምሃሪ ክኸውን ከምዝኽእል ነዚ ሓበሬታ ንመርበብ ኮሬር ደል ቲቺኖ ብምውካስ ዝልኣኹልና ምንጭታት ኤረና ኣተሓሳሲቦም።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0