ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብኲናት ዝዓነወ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዳግም ንምህናጽ ልዑል ኣበርክቶ ክትገብር ከምዝኾነት ገሊጻ

Radio Erena: 11 December 2022

ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብኲናት ዝዓነወ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዳግም ንምህናጽ ልዑል ኣበርክቶ ክትገብር ከምዝኾነት ገሊጻ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዑደት ዘካዪድ ዘሎ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ጀምስ ክለቨርሊ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ኢትዮጵያ ቁጠባኣ ዳግም ንኸተበራብርን ዝዓነወ ትሕተ ቅርጻ ንኽትጽግንን፣ ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያ ምሉእ እምነት ከተሕድር ትኽእል እያ’ ኢሉ።

ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዝተላእከ ረዲኤት ናብ ክልል ዓፈር ኣብ ዝተዋፈረሉ፣ ጀምስ ክለቨርሊ ብኣካል ከምዝተዓዘቦ፣ ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ብሪጣንያ ሰብኣዊ ረዲኤት ጥራይ ዘይኮነ፣ ስምምዕ ሰላም ነባሪ ንክኸውን፣ ዘድልይ ተክኒካዊ ሓገዛት ከተበርክት እውን ድልውቲ ኣላ ኢሉ።

ብካልእ ወገን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ፣ ብኲናት ንዝዓነወ ትሕተ ቅርጺ ንምህናጽ፣ ደገፍ ሃገራት ኤውሮጳ ሓቲቱ።

ደመቀ መኮነን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ እቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንኽሰፍን ዝጻወቶ ዘሎ ተራ ነመጉስ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ስምምዕ ሰላም ግን ገና ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ስለዝርከብ ውሕስነቱ ንክረጋገጽ፣ ምሉእ ደገፍ’ቲ ሕብረት የድልይ እዩ ኢሉ።

ብፍላይ ኣብቲ ናይ ኲናት ዞባ ዝግበር ዝኾነ ምንቅስቓስ ሰራዊት ይኹን ዕጡቓት ሓይልታት ምክትታል ክገብር ዝኽእል፣ሕብረት ኤውሮጳ ንዋታዊን ተክኒካዊ ብቕዓትን ስለዘለዎ፣ በዚ መዳይ’ዚ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0