ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ሓደጋ ዕስለ ኣምበጣ ገና ኣንጸላልዩወን ኣሎ

Radio Erena: 19 January 2020

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ሓደጋ ዕስለ ኣምበጣ ገና ኣንጸላልዩወን ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ኬንያን ካልኦት ከባቢታትን ተራእዩ ዘሎ ናይ በረኻ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዘራእቲ ከቢድ ጉድኣት ዘውርድ ከምዝኾነ ኢጋድ ኣጠንቂቑ።

ኢጋድ ብተወሳኺ፣ እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘሎ ዕስለ ኣምበጣ፣ ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ 60 ኪሎሜተር ዝሽፍን፣ ኣብ ሓደ ትርቢዒት ኪሎሜተር ክሳብ 150 ሚልዮን ኣንበጣ ዝሓዘ ከምዝኾነ ገሊጹ።

እዚ ብናይበረኻ ኣንበጣ ዝግለጽ ዕስለ፣ ን2,500 ሰባት ዝምግብ እኽሊ፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ከዕኑ ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ሓደጋ ዘንጸላልወን ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ገለ ክፋል ሶማልያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ጂቡቲን ክኾና እንከለዋ፣ ክሳብ ገለ ክፋል ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ክበጽሕ ተኽእሎ ከምዘለዎ ኢጋድ ብተወሳኺ ኣጠንቂቑ።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0