ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን፣ ዲጋ ተሃድሶ ካብ ወሓዚ ናይል ማይ ዝመልኣሉ ዓቐን ተሰማሚዐን

Radio Erena: 20 January 2020

ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን፣ ኣቐዲሙ ከከራኽረን ዝጸንሐ፣ ዲጋ ተሃድሶ ካብ ወሓዚ ናይል፣ ማይ ዝመልኣሉ ዓቐን ኣብ ዝብል ነጥቢ ተሰማሚዐን።

እቲ ስምምዕ ክብጻሕ ዝኸኣለ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቴን ሃገራት፣ ካብ 13 ክሳብ 15 ጥሪ ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ዘካየድዎ ህጹጽ ኣኼባ’ዩ።

እቲ ብዙሕ ቴኒካዊ መመዘኒታት ዘጠቐለለ፣ ዲጋይ ተሃድሶ ማይ ዝመልኣሉ ዓቐንን ግዜን ዝብል ነጥቢ፣ ብፍላይ ንኢትዮጵያን ግብጺን ከከራኽር’ዩ ጸኒሑ።

ኣቐዲሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዘተ ሰለስቲኤን ሃገራት ድሕሪ ምፍሻሉ፣ እቲ ርክብ ኣብ ዋሽንግተን ክቕጽልን፣ ክሳብ 15 ጥሪ ድማ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ምምሕዳር ትራምፕ ጸቕጢ ከምዝገበረ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ዋሽንግተን ህጹጽ ኣኼባ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ ዝመልኣሉ ዓቐን ማይ፣ ብቴክኒካዊ ሸነኻቱ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበዝጽሐ እኳ እንተተሓበረ፣ እዘን ሃገራት ኣብ ኣተገባብርኡ ዘይምርድዳእ ከጋጥመን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ይእምቱ።

ኣብቲ ስምምዕ፣ ወከልቲ ምምሕዳር ዋሽንግተንን ባንክ ዓለም’ውን ተሳቲፎም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ዋሕዚ ናይል ኣብ ዝጎድለሉ ወቕቲ፣ ዲጋ ተሃድሶ፣ ካብ 37 ቢልዮን ሜትሪክ ቶን ማይ ንላዕሊ ከይክዝን ዝኽልክል’ዩ።

ኢትዮጵያ ከተቕርቦ ዝጸንሐት ጠለብ፣ ልዕሊ 40 ቢልዮን ሜትሪክ ቶን ክኸውን እንከሎ፣ ግብጺ 31 ቢልዮን ሜትሪክ ቶን ሱዳን ድማ 35 ቢልዮን ሜትሪክ ቶን ማይ ከዕቑር ኣለዎ ኣብ ዝብል’የን ክከራኸራ ጸኒሐን።

ኢትዮጵያ፣ ብኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር እትሃንጾ ዘላ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዲጋ ተሃድሶ፣ ማይ ዘዋህልለኡ ግዜ ካብ 7 ክሳብ 8 ዓመታት ክኸውን ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0