ኤርትራ ኣብ መበል 11 ቅድድም ብሽክለታ ትሮፒካል ኣሚሶ ቦንጎ ትሳተፍ ኣላ

ኤርትራ ኣብ መበል 11 ቅድድም ብሽክለታ ትሮፒካል ኣሚሶ ቦንጎ ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: 21 January 2016

Caycle

ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዕብየቱ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ጋቦን- ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ሓቑፋ ትሳተፍ ኣላ።

መበል 11 ዙር ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ ብሉጽ ኣፍሪቃ ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ኤርትራዊ ዳኒኤል ተኽለሃማኖት ተመሪቑ ብሰኑይ 18 ጥሪ ድሕሪ ምብጋሱ፣ ሸውዓተ መድረኻት ዝሓቖፈ 777 ኪሎሜተር ብምሽፋን ኣብ ሓደ ካብ ዙርያታቱ’ውን መሬት ካሜሩን ክስንጥቕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ

ኣብዚ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝስራዕ ቅድድማት ከኣ ብዕብየቱ ቀዳማይ ደረጃ ዝሃዘን ዙር ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ ብቕዓተን ዝመስከራ ኤርትራ እትርከበን 14 ጋንታታት ንሓደ ሰሙን ከቢድ ጥምጥም ካከይዳሉ’የን።

 

ኣብዚ ቅድድም’ዚ ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣- ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ሚኪኤል ሃብቶም፡ ኤልያስ ኣፈወርቂ፡ ኣሮን ደብረጼን፡ ሚልዮን ኣማኑኤልን ዮናታን ሃይሉን’ዮም።

ኣብ 2014 ኣብ ዝተኻየደ ዙር ጋቦን- ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ናይ መጀመርያ ተዓዋቲ ኣፍሪቃዊ እዚ ቅድድም ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2015 ከኣ ቱኒዝያዊ ራፋ ሺታዊ ከምዝተዓወተ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ክሳብ ሰንበት 24 ጥሪ 2016 ዝቕጽል ቅድድም፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣንጸባራቒ ዓወታት ክጎናጸፉ ትጽቢት ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኣብዚ ቅድድሚ ምኩራት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዓለማ ይሳተፉ ምስ ምህላዎም፣ እቲ ቅድድም በዳሂ ኮይኑ ምህላዉ መርበባት ሓበሬታ ስፖርት ይትንትና።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0