ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኮይና ምምራጻ፣ ካብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ተቓውሞታት ይስማዕ ኣሎ

ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኮይና ምምራጻ፣ ካብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ተቓውሞታት ይስማዕ ኣሎ

Radio Erena: 14 October 2018

unhrcኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ምምራጻ፣ ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ተቓውሞታት የስምዑ’ለዉ።

ሓልዮት ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ህዩማን ራይትስ ዎችን ዝርከብዎም ተጣበቕቲ መሰላት ኣብ ዘቕረብዎ ተቓውሞ፣ ከም ኤርትራ፣ ፊሊፒንስ፣ ባሕረይንን ካሜሩንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ክጽምበራ ኣይግባእን ክብሉ ጸዊዖም።

ኣብቲ ብዓርቢ 12 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ጀኔቫ ዝተኻየደ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራ እትርከበን 18 ሃገራት ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ወንበር ተዋሂቡወን ኣሎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ መሰል ደቂሰብ ኣብ ምርጋጽ ብዓቢኡ ዝሰርሓ ዘለዋ ሃገራት፣ ኣብቲ ባይቶ ምምራጸን፣ ንክብሪ’ቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝትንክፍ’ዩ ክብል ገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባዕሉ ዘቖማ ተቕጻጻሪት ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸይድ ምርጋጽ መሰላት ከምዘሎ ብመርትዖታት ዝተሰነየ ጸብጻባ ኣቕሪባ እንከላ፣ እቲ ባይቶ ንኤርትራ ኣባሉ ክትከውን ምምራጹ፣ ብዘይካ ‘ከም ላግጽን ጸወታን’ ካልእ መግለጺ የብሉን ክብሉ’ዮም እቶም ኣህጉራውያን ትካላት ዝገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣባልነታ ካብቲ ባይቶ ዝሰሓበት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን፣ እዘን ኤርትራ እትርከበን ረገጽቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾና ሃገራት ኣብቲ ባይቶ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ወንበር ምርካበን ተቓውሞኣ ገሊጻ’ላ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዶባዊ ግጭት ብሰላም ምኽታሙ ኣገዳሲ ምዕራፍ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ዘቤታዊ ምሕደራኣ ግና ዝኾነ ለውጢ ኣየርኣየትን ዝብል ክሲ ካብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት ክቐርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0