“ኤርትራ ንንግድ ዘይትምችእ ሃገር’ያ፣” ሓድሽ መጽናዕቲ ባንክ ዓለም

“ኤርትራ ንንግድ ዘይትምችእ ሃገር’ያ፣” ሓድሽ መጽናዕቲ ባንክ ዓለም

Radio Erena: 03 November 2015

Minst of Trad

ንግድን ወፍርን ክካየደለን ኣጸገምቲ ካብ ዝኾና ሃገራት፣ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምእትስራዕ ብባንክ ዓለም ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ።

እቲ Doing Business ብዝብል ኣርእስቲ ዝሰፈረ መጽናዕቲ ባንክ ዓለም፣ እተን ዝኸፍአ ናይ ወፍርን ንግድን ዕድላት ዘለወን ሃገራት ኢሉ፣ ንኤርትራ ቀዳመይቲ ክሰርዓ እንከሎ፣ ደቡብ ሱዳንን ሊብያን ከኣ ተኸቲለን ይስዕብኣ።

ቬኔዙዌላ’ውን ምስዘን ሃገራት ተሰሪዓ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘት እንኮ ናይ ላቲን ኣመሪካ ሃገር’ያ።

 

ኣብ ቬኔዙዌላ ፍቃድ ንግድን ወፍርን ንምርካብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ከምዝወስድ እቲ መጽናዕቲ ይጠቕስ።

ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን፣ ዕሙር ንግድን ወፍርን ዝካየደላ ዘሎ ሃገር ምዃና ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ መብዛሕቱ ሕጋዊ መስርሕ ዝሓለወን፣ ኣብ መጽናዕቲ ናይቲ ባንክ ዓለም ክኣቱ ዝኽእልን ኣይኮነን።

ኣብ ሊብያ’ውን ብዘይካ ናይ ነዳዲ ኩባንያታት ካልእ ዓይነት ንግድን ወፍርን ንምክያድ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ ይርከብ።

ኣብ ኤርትራ’ውን እንተኾነ፣ ብዘይካ’ተን ኣብ ዕደና ዝተዋፈራ ኣስታት 16 ዝኾና ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፣ ኣብ ካልእ ዓይነት ወፍሪን ንግድን ዝሳተፉ ዜጋታት እታ ሃገር ይኹኑ ወጻእተኛታት ብብዝሒ ከምዘየለዉ ይፍለጥ።

ባንክ ዓለም፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ እኹል ሓበሬታ ክወሃቦ ብዘይምኽኣሉ፣ ብዛዕባ ኤርትራ ዘቕርቦ መጽናዕታት መብዛሕትኡ ግምታዊ’ዩ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0