ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታት ሱዳን ንዝካየድ ዘሎ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ብዝምልከት ዋዕላ ክካየድ’ዩ

ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታት ሱዳን ንዝካየድ ዘሎ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ብዝምልከት ዋዕላ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 04 November 2015

Mussa Kassala

ብዛዕባ’ቲ ዝበዝሐ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ዝፍጸመሉ ዞባ ዓለምና ኮይኑ ኣብ ዘሎ ዞባ ከሰላን ገዳርፍን፣ ብዝምልከት ዋዕላ ክካየድ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘካየዶ ዑደት’ዩ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምብራቕ ሱዳንን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ፣ ብዛዕባ’ቲ ብዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ዝፍጸም ዘሎ ምስግጋር ስደተኛታትን መሸጣ ደቂ ሰብን ብዝምልከት ዋዕላ ክካየድ ተመዲቡ ምህላዉ ከምዘረጋገጸ’ውን ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።

 

ኣብቲ ዋዕላ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ኣባላት ጸጥታ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣነባበርቲ፣ ዓብይቲ ዓድን ነበርትን ዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ክሳተፉ ትጽቢት ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ወከልቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ዕድመ ቀሪቡሎም ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ይጠቕሱ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳን ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ከሰላ ምስ ዝርከቡ ኣነባብርቲ ዓዲ ድሕሪ ምዝርራብ፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣበርክቶ ኣነባብርቲ ዓዲ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን መሸጣ ደቂ ሰብን ኣገድሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ከሰላን ገዳርፍን ንዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታትን ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታትን ዝምልከት ዋዕላ መዓስ ከምዝካየድ ኣይተሓበረን።

ይኹን’ምበር ድሕሪ’ቲ ኣብ 11ን 12ን ሕዳር፣ ኣብ ማልታ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምስግጋር ስደተኛታትን መሸጣ ደቂ ሰብን ክእንገድ ተወጢኑ ምህላዉ ይግለጽ።

ሱዳን፣ እታ ቀንዲ መሰጋገሪት ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይና፣ ዓመታዊ ብመንገዲ ዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ኣስታት 100 ሽሕ ዝግመት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝፍጸመላ’ዩ ጸብጻባት ኣህጉራውያን ትካላት የመልክት።

ሱዳን፣ መሰጋገሪት ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነት፣ ንባዕላ’ውን ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ዜጋታተን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝውሕዙ ዘለዉ ሃገራት’ያ

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0