ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ከቢድ ናይ ደርቂ ሓደጋ ንምብዳህ ትጽዕር

ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ከቢድ ናይ ደርቂ ሓደጋ ንምብዳህ ትጽዕር

Radio Erena: 03 November 2015

Dr eth

ኢትዮጵያ፣ ኣንጸላልዩዋ ንዘሎ ከቢድ ናይ ደርቂ ሓደጋ ንምምካት ትጽዕር ከምዘላ መጽሔት ዘ ኢኮነሚስት ሓቢሩ።

እታ ሃገር ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመታት ተኸሲቱ ዘይፈልጥ ዓይነት ደርቂ ኣንጸላልዩዋ ከምዘሎ ዝሓበረ ጸብጻብ ዘ ኢኮነሚስት፣ ህወይት ደቂ ሰብ ብደርቂ ንኸይረግፍ፣ ልዑል ምድላዋት ይካየድ ምህላዉ ንሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓደጋ ከባቢ ወሎ፣ መሓመድ ያሲን ነታ መጽሄት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ከም ወሎ ዝኣመሰለ ብደርቂ ንዝተሃስየ ከባቢ፣ ካብቲ ዝሓሸ ሕርሻዊ ምህርቲ ዝተሓፍሶ ክፋል ኢትዮጵያ ንምምቕርሑ መደብ ተሓንጺጹ ምህላዉ ጠቒሱ።

 

ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 8 ሚልዮን ካብ ህዝባ ናይ ደርቂ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

መንግስቲ እታ ሃገር፣ ነዚ ናይ ደርቂ ሓደጋ ኣጸላልይዎ ዘሎ ህዝቢ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ንምብጻሕ፣ 192 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ከምዘሎ ይገልጽ።

ተወሳኺ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣህጉራዊ ረዲኤት ከምዘድሊ’ውን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ የመልክታ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ፣ ዛጊት ኣብ ህይወት ሰብ ዘብጽሖ መቕዘፍቲ ምህላዉ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣማኢት ከብቲ፣ ኣግማልን ጤለ በጊዕን ከምዘህለቐ ግና ካብ ከባቢታት ዓፈር ዝተፈነወ ዜና ኣረጋጊጽዎ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ከምዘስዓበ ዝግለጽ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ‘ኤል ኒኖ’፣ ስምብራቱ ኣብ ኩለን’ተን ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ክርአ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ክኢላታት የጠንቕቑ።

=============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0