ኤርትራ ንመንግስታት ካርቱምን ጁባን ክትሽምግል ሓቲታ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ እቲ ንመንግስታት ካርቱምን ጁባን ዘሰሓሕብ ዘሎ ነጥብታት ክሽምግል ከምዝደሊ ገሊጹ።

    እዚ ዝተገልጸ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጁባ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኒሕያል ደንግ ኒሕያልን ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

    ኣብቲ ብ23 ሰነ ኣብ ጁባ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰበ ስልጣን መንግስታት ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ምስ መንግስቲ ኣልበሽር ናብ ኵናት ክኣቱ ድልየት ከምዘይብሉ’ዩ ኣረጋጊጹ።
ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣቐዲሙ ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ብዛዕባ ጉዳያት ደቡብ ሱዳንን ተቓወምትን ከምእተዘራረበ ይዝከር።

    ደቡብ ሱዳን እቶም ኣንጻር መንግስቲ ዓጢቖም ዘለዉ ጉጅለታት ካብ መንግስታት ካርቱም ኣስመራን ሓገዝ ይረኽቡ’ዮም ክትብል ትወቅስ።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሕጂ  ኣብ ስልጣን ዘሎ ተቓዋሚ ዝነበረ SPLA ናይ ደቡብ ሱዳን ምሉእ ድጋፍ ይገብረሉ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2005 ምስ ኣልበሽር ዝተመስረተ ሓድሽ ስልታዊ ዝምድና ግና፣ ድጋፍ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ካርቱም ዛዝዩ ይርከብ።

    ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ’ውን ኣብ መንጎ ካርቱምን ጁባን ዘሎ ሓያሎ ዘሰሓሕብ ነጥብታት ንምፍትሑ ኢትዮጵያ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ጻዕርታት የካይዳ ምህላወን ዝፍለጥ’ዩ።

    መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኢዱ ከእቱ ከምዝደሊ ብመንገዲ እቲ ኣብ ጁባ ዑደት ዘካየደ ወኪሉ ኣቢሉ ገሊጹ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0