ኤርትራ ናብ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማል፣ ናብ ጂቡቲ ኣትዩ

Radio Erena: 18 July 2022

መራሕቲ ሶማልን ጂቡቲን፣ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ሓባራዊ ጉዳያት ከምዝተመያየጡ ተሓቢሩ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘካይዶ ዘሎ ዑደት፣ ብ16 ሓምለ ናብ ጂቡቲ ዝኣተወ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ 15 ግንቢት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ተዓዊቱ፣ ኣብ 23 ግንቦት ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣህጉራዊ ዑደቱ ብሕቡራት ኢማራትን ቱርኪን ጀሚሩ፣ ናብ ኤርትራ ‘ዩ ኣምሪሑ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ብዛዕባ’ቲ ንሰለስተ ዓመታት ኣዛራቢ ኮይኑ ዝጸንሐ ጉዳያ ሶማላውያን ወትሃደራት ተመያይጡ።

እንተኾነ ሕጂ’ውን፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት መውጽኢ ሓርቢትዎም ከምዘሎ ዝተጠቕሱ ሶማላውያን ወትሃደራት፣ ብዝቀልጠፈ ዝምለስሉ መንገዲ እተናዲ ኮሚተ ካብ ምቛም ሓሊፉ፣ ዕለትን ግዜና ኣይተነጸረነ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ድሕሪ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ብቀጥታ ናብ ኬንያ ኣምሪሑ፣ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘሰሓሕብ ዛዕባታትን ካልእን ጉዳያትን ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ ተዘራሪቡ።

ናይ ኬንያ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደቱ ዛዚሙ ድማ’ዩ ናብ ጂቡቲ ኣትዩ።

ጂቡቲ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቕፉ ወትሃደራት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

ምስ ፕረዚደንት ነበር፣ ማሕሙድ ፋርማጆ ኣብ ምርሕሓቕ ዝነበረ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ምስዚ ሓድሽ ፕረዚደንት ዝምድንኡ ብዝያዳ ንምድልዳል ቅሩብ ምዃኑ ዲፕሎማኛታት ይጠቕሱ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽምብል ምጅማሩ ስልጣኑ፣ መራሕቲ ኢትይጵያ፣ ጂቡቲን ኬንያን ኣብ ሞቛድሾ ክርከቡ እንከለዉ፣ ንኤርትር ዝወከለ ኣካል ግና ከምዘይተሳተፈ ይዝከር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0