ኣመሪካ፣ ሰራዊታ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክትስሕብ እያ

Radio Erena: 17 July 2022

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፤ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደሴታት ቲራንን ሳፊርን ዝነበረ ሰራዊታ ክትስሕብ ምዃና ኣፍሊጣ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፤ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ብምክያድ፤ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስ መሓመድ ቢን ሳልማን ናይ ስዑዲ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ከምዝተዘራረበ፤ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣምልኪቱ።

ደሴታት ቲራንን ሳፊርን፤ ግብጺ ኣብ 2016 ብስዑዲ ዓረብ ክመሓደራ ድሕሪ ምፍርራማ፤ ንእስራኤል ስግኣት ስለዝፈጠረላ፤ ኣብ’ተን ደሴታት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከምዝሰፍር ተገይሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፤ እስራኤል ምስ ሃገራት ዓረብ ዝምድና ተመሓይሽ ምህላዋ፤ ዝጸንሓ ስግኣት ተፋዂሱ ብምህላዉ እዩ እዚ ውሳኔ’ዚ ስውሰድ ዘሎ ክብላ ማዕከናት ዜና ስዑዲ ይገልጻ።

ምምሕዳር ባይደን ብወገኑ ብቀዳም 16 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ንኣዋርሕ ብስቱር ክካየድ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ፤ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ’ዘን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ደሴታት ዕዉት ክኸውን ምኽኣሉ ሓቢሩ።

ደሴታት ቲራንን ሳፊርን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ግብጺ እንከለዋ፤ ብ1956 ከምኡ’ውን ኣብ 1967 እስራኤል ወሪራተን ኔራ። ደሴት ቲራን፤ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ናብ ወደባት ኤላት ናይ እስራኤል ዝኣቱ ዝኾነ ናይ ባሕሪያ መጎዓዝያ ክትቆጻጸረላ እትኽእል ስትራተጂያዊት ደሴት እያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0