ኤርትራ ናብ ኢጋድ፣ ንሳልሳይ ግዜ ክትጽምበር’ያ

ኤርትራ ናብ ኢጋድ፣ ንሳልሳይ ግዜ ክትጽምበር’ያ

Radio Erena: 11 September 2018

igad officeኤርትራ ናብ በይናዊ በዓል ስልጣን ንምዕባለ (ኢጋድ) ንመበል ሳልሳይ ግዜ ክትምለስ እያ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈነወ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ኤርትራ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናይዚ ሰሙን’ዚ፣ ናብ ኣባልነት ኢጋድ ክትምለስ ቅድመ ምድላዋት ተወዲኡ ከምዘሎ ይገልጽ።

ኤርትራ ኣብ 2007 ኣባልነታ ካብ ኢጋድ ስሒባ ኔራ። ኣብ 2011 ዳግማይ ትመለሶ ደኣምበር፣ ኣብ 2017 ከም ሓድሽ ካብቲ ዞባዊ ምጥርናፍ ተገሊላ እያ ጸኒሓ።

 

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኢጋድ ካብ ዕለት 12 መስከረም ጀሚሩ ንክልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከካዪድ እዩ።

ኣብዚ ኤርትራ ክትሳተፎ ምዃና ዝተገልጸ ዋዕላ፣ ውግእ ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን ዘብቅዓሉ ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ተቓዋሚኡ ሪክ ማቻርን ክፍረም ትጽቢት ይግበረሉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ቢዝነስ ቻይናን ኣፍሪቃን፣ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳን፣ ብመንጎኝነት ኣባላት ኢጋድ ድሕሪ ዘካየዱዎ ዘተ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከምዝኸኣሉ ገሊጹ።macharn kirn

መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ተቓወምቱን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብተደጋጋሚ ክፍርሙ’ኳ እንተጸንሑ፣ ሓደ ነቲ ካልእ ብምውንጃል ነቲ ስምምዕ ክጥሕሱዎ ተራእዮም እዮም።

ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ መሃመት፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ናይ ሰላም ሃዋሁ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝነበረ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ወጥሪ ኣህዲኡዎ ብምህላዉ፣ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ተስፋ ሰላምን ምዕባለን ይረአ ኣሎ ክብል ተስፍኡ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0