ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንስምምዕ ሰላም ኤርትራን ጂቡቲን ንኢዱ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንስምምዕ ሰላም ኤርትራን ጂቡቲን ንኢዱ

Radio Erena: 11 September 2018

guterezውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክዓርፍ ክልቲኤን ሃገራት ምስምመዐን ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ብኣፈኝኡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ጂቡቲን ተራኺቦም ብሓባር ምዝታዮም ዓቢ ዝላ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓውዲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ገሊጹ።

 

ንሱ ብተወሳኺ ብዕለት 8 መስከረም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ጉዳያተን ባዕለን ተዛትየን ክፈትሓ ምብቀዐን፣ ንካልኦት ግርጭት ሓሚሱወን ዘሎ ዞባታት’ዛ ዓለም ኣብነት ምዃነን ከምዘሐጎሶ ገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሓድሽ ተቐልቂሉ ዘሎ ተስፋ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ቀጻልነቱ ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ እጃሙ ከበርክት ድሉው ምህላዉ ብምግላጽ ንሰላም’ቲ ዞባን ህዝብታቱን ዘለዎ ምንዮት ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሓመድ ስዒድ ዱዋለ፣ ‘ህዝቢ ወርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክረክብ፣ ናይ ግድን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ዘሎ ወተሃደራውን ፖለቲካዊን ወጥሪ ብሰላም ምፍትሑ ከኣ ኣካል ናቱ እዩ’ ክብል ቃሉ ሂቡ’ዩ።

ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ጂቡትን ክዉን ንክኸውን፣ ኢትዮጵያን ሶማል ሓያል ጻዕሪ ኣካዪደን’የን ክብል፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣሕመድ ዒሰ ዓዋድ ብወገኑ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0