ፕረዚደንት ሱዳን፣ መሰረታዊ ምቅይያር ሰበስልጣናት የካይድ

ፕረዚደንት ሱዳን፣ መሰረታዊ ምቅይያር ሰበስልጣናት የካይድ

Radio Erena: 11 September 2018

sudanese pmፕረዚደንት ሱዳን፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ መሰረታዊ ምቅይያር ሰበስልጣናት የካይድ ኣሎ።

ኣብዚ ብሰምበት 9 መስከረም ዝጀመረ ምቅይያር፣ ካልኣይ ምኽትል ፕረዚደንት ዝነበረ ሓሳቦ መሓመድ ዓብደልራሕማን፣ ብኣመሓዳሪ ሰሜን ዳርፉር ዝነበረ ዑስማን ዩሱፍ ከቢር ክትካእ እንከሎ፣ ገለ ካብ ናይ ቀረባ ኣማኸርቱ ዝነበሩ’ውን ካብ መዝነቶም ክእለዩ ምዃኖም ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

 

ዝበዝሑ ካብቶም ኣማኸርቱ ዝነበሩ፣ ሱዳን ንእተካዪዶ ሃገራዊ ዕርቂ ንምስላጥ ተባሂሎም ካብ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት ዝተመዘዙ እዮም ኔሮም።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ብተወሳኺ፣ ቁጽሪ ሚኒስተራት ካብ 31 ካብ 21 ከውርዶ እንከሎ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር በክሪ ሓሰን ሳልሕ እውን ካብ መዝነቱ ኣውሪዱ፣ ብሚኒስተር ኣገልግሎታት ኤለክትሪክን ማይን ዝነበረ ሞኣተዝ ሙሳ ክትክኦ ምስ ሃገራዊ ኮንግረስ ፓርቲ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ማዕበል ምቅይያር ሚኒስተራት ሱዳን፣ ንሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያትን ፋይናንስን ዘጠቓለለ ክኸውን እንከሎ፣ ንሚኒስተራት ምክልኻልን፣ ወጻኢ ጉዳያትን ግና ኣብ ዘለዉዎ ክጸንሑ ፕዚደንት ኣልበሽር ኣዚዙ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ እዚ ምቅይያር ሚኒስተራት ንድሌት ህዝቢ ሱዳን ዘማልእ ንጡፍ ካቢኔ ሚኒስተራት ንምቛም ዝዓለመ’ዩ ምባሉ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ሓቢሩ። እንተኾነ ሱዳን ካብዚ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላው ንምውጻእ መሰረታዊ ናይ ፖሊሲ ምቕያር ደኣምበር እዚ ምቅይያር ሚኒስተራት ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ከምዘይብሎም ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ዞባ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0