‘ኤርትራ ብመንጽር እቶታን ብዝሒ ህዝባን ሓንቲ ካብተን ንወትሃደራዊ መዓላ ዝበዝሐ ባጀት ዝስልዓ ሃገራት’ያ’

‘ኤርትራ ብመንጽር እቶታን ብዝሒ ህዝባን ሓንቲ ካብተን ንወትሃደራዊ መዓላ ዝበዝሐ ባጀት ዝስልዓ ሃገራት’ያ’

Radio Erena: March 26, 2014

eri Military

ምስ ብዝሒ ህዝባን ዓመታዊ እቶታትን ብምንጽጻር፣ ኤርትራ ሓንተን ካብተን ዝበዝሐ ባጀተን ንወትሃደራዊ መዓላ ዝስልዓ ሃገራት ዓለም ምዃና World Military Expenditures and Arms Transfers ዝተባህለ ትካል ኣፍሊጡ።

እቲ ንወትሃደራዊ ኩነታት ሃገራት ዓለም ዝከታተል ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣቐዲሙ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንዝቐረበ ሓበሬታ ምርኵስ ብምግባር ኣብ ዘዳለዎ ሓድሽ ጸብጻብ፣ ብመንጽር ዓመታዊ እቶታን ብዝሒ ህዝባን ንወትሃደራዊ መኦኣላ ዝበዝሐ ባጀት እትስልዕ ሃገር፣ ሰሜን ኮርያ ክትከውን እንከላ ኣብ ካልእይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ድማ እስራኤል’ያ።

እታ ኣስታት 5.5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለምን ዝኾነት ኤርትራ ድማ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

 

ከም ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይና፣ ሩስያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራን፣ ፓኪስታን፣ ህንዲ፣ ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን ብኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ገንዘብ ኣብ ወትሃደራዊ መዓላ ዘባኽና እኳ እንተኾና ዓመታዊ ኣቶተን ኣዘን ሃገራትን ብዝሒ ህዝብን ብምንጽጻር ክርአ እንከሎ ግና ምስ ናይ ሰሜን ኮርያ፣ እስራኤልን ኤርትራን ዝዳረግ ኣይኮነን።

ኣብ ኣፍሪቃ’ውን ንወትሃደራዊ መዓላ ገዚፍ ባጀት ካብ ዝስልዓ ሃገራት፣ ግብጺ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይጀርያን ኢትዮጵያን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዓ እኳ እንተኾነ፣ ንእሽቶን ውሑድ ህዝብን ዘለዋ ሃገር ኤርትር’ውን ማዕርኤን ከምእትስራዕ’ዩ ዝጥቐስ።

ኤርትራ ሓድሽ እትሽምቶ ብዝሒ ኣጽዋር እኳ ዝጋነን እንተዘይኮነ፣ ዓመታዊ ናብ ውትህድርና እትጽንብሮ ብዝሒ ሰራዊት ግና ዝያዳ’ተን ዓበይቲ ሃገራት’ዩ።

ብኡ መጠን ድማ፣ ንወትሃደራዊ ሃልኪ እተስልዖ ባጀት ካብቲ ካልእ ብዝተዓጻጸፈ ክዓቢ ከምዝኽእል ርድኡ ይገብሮ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0