ሱዳን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ንምግታእ ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታት ፍሉይ ሓባራዊ ፖሊስ ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ

ሱዳን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ንምግታእ ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታት ፍሉይ ሓባራዊ ፖሊስ ከተዋፍር ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: March 26, 2014

Sudan Mini

ሱዳን ኣብቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደዊ ሰብ ዝርኣየሉ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታት ሓባራዊ ፖሊስ ንምውፋር ተዳልያ ከምዘላ ሚኒስትሪ ውስጥእዊ ጉዳታት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሚኒስትሪ ባበከር ዲክና ንማእከል ሓበሬታ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ሓባራዊ ፖሊስ ንምውፋር ተበግሶ ዝወስድ ዘሎ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዝተበጽሐ ስምምዓት’ዩ።

 

ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ከሰላን ቀይሕ ባሕርን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብቲ ከባቢ ብዓይነትን ንብረትን ዝጣየስሉ መንገዲ ክናደ ዝብል ብUNHCR ዝቐረበ ነጥቢ፣ እቲ ዞባ ንዜጋታት ሱዳን ዝበቕዕ እኹል ኣገልግሎታት ስለዘይብሉ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ምጥያስ ሓሳብ ከምዘይትቕበሎ’ውን እቲ ሱዳናዊ በዓል ስልጣን ኣረዲኡ።

ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢታት ከሰላን ገዳርፍን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ንምቑጽጻር ራዳርን ካልእ መሳርሒታትን ዝዓጠቐ ሓባራዊ ፖሊስ ንምውፋር መንግስቲ ሱዳን ተዳልዩ ከምዘሎ ኣምልኪቱ።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግና ብዛዕባ’ዚ መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ከባቢ ሓባራዊ ፖሊስ ናይ ምውፋር ተበግሶ ኣምልኪተን ዝሃብኦ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።
===============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0