ገዲም ተጋዳላይን ሓደ ካብ መስረቲ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን ኣሕመድ ናስር ዓሪፉ

ገዲም ተጋዳላይን ሓደ ካብ መስረቲ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን ኣሕመድ ናስር ዓሪፉ

Radio Erena: March 26, 2014

Ahmed Nasser

ገዲም ተጋዳላይን ሓደ ካብ መስረቲ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን ኣሕመድ ናስር ትማሊ ኣብ ስቶኮልም ዓሪፉ።

ኣሕመድ ናስር፣ ኣብ መፋርቕ 1960ታት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምጽናብሩ፣ እቲ ውድብ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ሓድሕድ ኣብ 1983 ተበታቲኑ ዝበዝሐ ክፋሉ ናብ ስደት ክሳብ ዘምርሕ ከም ኣቦ መንበር ኮይኑ ዘገልገለ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ።

ገዲም ተጋዳልይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣህመድ ናስር፣ ዝልዓለ ወትሃደራዊ ትምህርትን ከቢድ ብረትን ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝሰልጠነ ከምዝኾነ’ውን ሰነዳት የመልክቱ።

ተ.ሓ.ኤ ኣብ 1983 ተበታቲኑ ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሑ’ውን ኣሕመድ ናስር ምስ ብጾቱ ኣብ ስደት ኮይኖም ንተጋድሎ ሃርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝተሰምየ ውድብ ኣብ ምክያድ ከምዝነበሩን፣ ድሕሪ ናጽነት መላእ ኤርትራ ድማ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሃገራዊ ዕርቂ ንምክያድ ከምዝሓተተን’ዩ ዝንገረሉ።

 እንተኾነ ኣሕመድ ናስርን ካልኦት ሓያሎ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ንሃገራዊ ዕርቒ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባርን ናይቲ እዋን እቲ ፕረዚደነት መሰጋገሪ መንግስትን ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተነጽገ መዛግብቲ ታሪኽ የዘንቱ።

ኣሕመድ ናስር፣ ኦለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ብመንእሰያት ክትካእ ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት ካብ 2012 ንደሓር ካብ ዝነበሮ ናይ ተቓውሞ ፖለኢካዊ ጽፍሕታት ብወለንትኡ ከምዝተኣልዩ’ዩ ዝንገር።

68 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣሕመድ ናስር፣ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ወቕዒ’ዩ ኣብ ሆስፒታል ስቶኮልም ዓሪፉ።

ካብ መፋርቕ 1960ታት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኣሕመድ ናስር፣ ንልዕሊ ፍርቒ ዘመን ናብ ዝተወልደላን ዝተቓለሰላን ሃገሩ ተመሊሱ ኣይፈልጥን።

ስነ ስርዓት ቀብሩ’ውን ኣብ ስቶኮልም’ዩ ክፍጸም።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ጨንፈር ጅዳን ካልኦት ውድባትን ማሕበራትን ናብ ሬድዮ ኤረና ብምድዋልን ብፋክስ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣብ ምትሕልላፍ ይርከባ።

ሬድዮ ኤረና ንስድራቤትን ፈተውትን ገዲም ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ ኣሕመድ ናስር ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።
===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0