ኤርትራ፤ ድኻታት ንዝኾና ሃገራት ዓለም ኣብ ዝዳሎ ኮንፈረንስ ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: 06 March 2023

መንግስቲ ኤርትራ፤ ኣብ ቅኑዕ መስመር ቁጠባዊ ምዕባለ ንግስግስ ኣለና ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፤ ኤርትራ ኣዝየን ድኻታት ንዝኾና ሃገራት ዓለም ኣብ ዝዳሎ ኮንፈረንስ ትሳተፍ ኣላ።

እቲ ካብ 4 ክሳብ 9 መጋቢት ኣብ ዶሓ ቐጠር ዝካየድ ኮንፈረንስ፤ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ ኮይኑ፤ ብቁጠባ ኣዝየን ዝደኸማ ሃገራት ዓለም ዝሕገዛሉ መንገዲ ንምምኽኻር ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብተኸታታሊ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃለመጠይቓት፤ ‘ብዝሑ ስራሕ ይጽበየና እኳ እንተሎ፤ ኣብ ቅኑዕ ቁጠባዊ ምዕባለ ኢና ንግስግስ ዘለና’፤ ክብል ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይቀራረብ መግለጺ ሂቡ’ዩ።

ብፍላይ ንኣታዊታት ዕደና ቢሻ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ካብ ጽላት ዕደና ወርቂ ዝተረኽበ ኣታዊ ዝጠቅም ኣይነበረን ብምባል፤ እቲ ዝርካቡ ፍረ ኣብ ዘለዎ መዓላ ከምዘይወዓለ እዩ ገሊጹዎ።

ክሳብ 2014 ዓመተ ምህረት ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኽቦ ዝግለጽ ዕደና ወርቂ ቢሻ፤ ጅምር እንከሎ ንቁጠባ’ታ ሃገር ክቕይር እዩ ተባሂሉ’ዩ መወዓውዒ ተገይሩሉ። ፋይናንሲያዊ ምሕደራ’ቲ ፕሮጀክት፤ ዘይከም ካልኦት ጽላታት ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ዘይኮነ፤ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከምዝካየድ ይንገር።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ መበል ሓምሻይ ኮንፈረንስ ብቁጠባ ኣዝየን ድኻታት ዝኾና ሃገራት፤ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ሓንሳብ ዝካየድ ኮይኑ፤ ኣብ ትሕቲ ‘ካብ ተኽእሎ፤ ናብ ብልጽግና’ ዝብል ቴማ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0