ፓስፖርት ኤርትራ ብድኽመቱ ምስ ሓሙሽተ ዳሕረዎት ተሰሪዑ

Radio Erena: 05 March 2023

ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝተገብረ ተርታ ፓስፖርትታት፡ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንኣርባዕተ ሃገራት ጥራይ በሊጹ፡ ድሕሪት ተሰሪዑ።

ኣብቲ ኖማድ ፓስፖርት ኢንዴክስ ብዝተባህለ ትካል ዝወጸ ጸብጻብ፣ ንኽትጎዓዘሎም ዝመችኡ ፓስፖርትታት፡ ኤርትራ ንፓኪስታን፡ የመን፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ጥራይ ቀዲማ እያ ኣም መበል 196 ተርታ ተሰሪዓ።
እቲ ጸብጻብ ዘይከም ካልኦት ንፓስፖርት ተርታ ዝህቡ ትካላት፡ ጸብጻቡ ኣብ ነጻ ናይ ቪዛ ምንቅስቓስ ጥራይ ከይሓጸረ፡ ካብ ግብሪ ነጻ ዝኾነ ዜግነት፡ ተቐባልነት፡ ድርብ ዜግነትን ውልቃዊ ናጽነትን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ተዳልዩ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ንእሽተይ ኤውሮጳዊት ሃገር ሉክሰምበርግ፡ ብ 115.50 ነጥቢ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ 20 ጥራይ ዘዋህለለት ኣፍጋኒስታን ድማ እታ ዝደኸመ ፓስፖርት ዘለዋ ኮይና።

ብ 26.50 ነጥቢ ኣብ መበል 196 ዝተሰርዐት ኤርትራ፡ ፓስፖርታ ብዘይ ቪዛ ናብ 12 ሃገራት ጥራይ እዩ ከእቱ ዘኽእል።

ቅዋማዊ መሰል ክነሱ፡ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዘውጽኦም ዝተፈላለዩ ኣዋጃት፣ ኤርትራውያን ፓስፖርት ናይ ምርካብ ዕድሎም ምህሙን ብምዃኑ፡ ብመንገዲ ስግረዶብ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንኽሰግሩ፡ ዘይተኣደነ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ከጋጥሞም ጸኒሑ’ዩ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0