ኬንያ፤ ሕሱር ዋጋ ዘለዎ ሓይሊ ጸዓት ካብ ኢትዮጵያ ክትገዝእ ጀሚራ

Radio Erena: 06 March 2023

ንተኸታታሊ 30 ዓመታት ብዋሕዲ ዝናብ ክትሳቐይ ዝጸንሐት ኬንያ፤ ንኤለክትሪክ ከመንጭው ዝኽእል ዕቑር ማይ ብምውዳኣ፤ ህጹጽ መተካእታ ንምግባር እያ ካብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤለክትሪክ ትገዝእ ዘላ።

በዓል መዚ ጸዓት ኬንያ ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ንዓበይቲ ትካላትን ፋብሪካታትን ክዕደል ዝጸንሐ ሓይሊ ኤለክትሪክ፤ ከቢድ ጽዕነት ክፈጥር ብምጅማሩ፤ ንመንበሪ ኣባይቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ጸዓት ከምዝጎድል ተገይሩ ምንባሩ ሓቢሩ። በዚ ካብ ኢትዮጵያ ዝዕደግ ዘሎ ጸዓት ግና፤ ህዝቢ ብመቑነን ዘይኮነ ብናጽነት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ክረክብ ከኽእሎ ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝተፈረመ ስምምዕ፤ እቲ ናይ ንግዲ ውዕል ን25 ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ፤ 600 ሜጋዋት ጸዓት ዘጠቓልል እዩ።

ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊስካ ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ኢትዮጵያ ስሩዕ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ንህዝቡ ዘይዕድል መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብ ናይ ጸዓት ምህርቲ ንሰደድ ዝዓለመ ምግባሩ፤ ብፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0