ኤርትራ፣ 51 ሃገራት ካብ ዝሳተፍኦ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019 ትግለል

Radio Erena: 18 January 2017

CAF

ብህድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዝተዳኸመት ኤርትራ፣ ኣብ ካሜሮን ኣብ ዝእንገድ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019 ከምዘይትሳተፍ ተረጋጊጹ።

CAF ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝር ናብቲ ዕጫ ዝተሳተፋ 51 ሃገራት፣ ኤርትራ የላን።

ኤርትራ፣ ካብ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተገለለትሉ ምኽንያት፣ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ይኹን ካፍ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃብሉ፣ ከም ናይ ዝሓለፈ እዋናት ብፍቓዳ ስሒባ ክትከውን ከምእትኽእል ይግመት።

ጠንቁ ድማ ብተደጋጋሚን ብእኩብን ዘጋጥም ዘሎ ህድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ምዃኑ ክኢላታት ዓውዲ ስፖርት ሃገርና የረድኡ።

ካብ ብእተካይዶ ግጥማትን ተኽእሎ ምዕዋታን ንላዕሊ፣ ብተደጋጋሚ ህድማ ተጻወቲ፣ ማዕከናት ዜና ስፖርት እትስሕብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ናይ ባጀት ዋሕድን ካልእን ትኢኤክኒካዊ ምኽንያታታን እናቕረበ፣ ካብ ሴካፋን ካልእ ዞባዊ ግጥማት ብፍቓዳ ክትግለል ጸኒሓ’ያ።

ኣብ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2017 ዘይተኻፈለት ኤርትራ፣ ኣብቲ 51 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ፣ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ወርሒ ሕዳር 2018 ዝካየድ ናይ መጻረዩ ውድድራት’ውን ከምዘይትጽንበር ብሰሉስ 17 ጥሪ፣ ኣብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝቀረበ መደብ ስፖርት ተሓቢሩ’ዩ።

ብዘይካ ኤርትራ፣ ኣብዚ ግጥማት ከምዘይትሳተፍ ዘረጋገጸት ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሶማል’ያ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0