ሓይልታት ጸጥታ፣ ኣረጊት ናቕፋን ናይ ወጻኢ ባጤራን ወኒኖም ጸኒሖም ንዝበልዎም ሓያሎ ኤርትራውያን ይኣስሩ

Radio Erena: 18 January 2017

Bank

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዘይሕጋዊ ባጤራታት ወኒኖም ጸኒሖም ንዝበልዎም ሓያሎ ኤርትራውያን ይኣስሩ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ዝብልዎ ዘለዉ ባጤራታት፣ ናይ ቀደም ባጤራ ናቕፋ፣ ዶላርን ኤውሮን ዘጠቓለለ’ዩ።

መንግስቲ፣ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ንዝኸደ ባጤራ ናቕፋ ንምቕያር ኣዋጅ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ኣብ መንጎ’ቲ ዝተቐየረን ኣሪግትን ናቕፋ ናይ ዕለት እንተዘይኮይኑ ካልእ ፍልልይ ስለዘይብሉ፣ ኣረጊትን ሓድሽን ናቕፋ ተሓዋዊሱ ኣብ ዕዳጋ ተዘርዩ ከምዘሎ ኣቀዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ መንግስቲ፣ ንምንቕስቓስ እቲ ሓድሽ ባጤራ ብምድራት፣ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከጉድል ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፣ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣቱ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከምዝውሕድን፣ ዝበዝሐ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ልውውጥ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ክፍጸምን ዝኣመሰለ ካልእ ጎድናዊ ሳዕቤታን ከምዝፈጠረ’ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ኣብ ኤርትራ፣ ግኑን ምስ ዝኾነ ተርእዩ ዋሕዚ ናብ ስደት፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ኣሰጋገርቲ፣ ሕሳባቶም ብናይ ወጻኣኢ ባጤራ ኣብ ወጻኢ ናብ ዝርከቡ መሻርኽቶም ክኽፈል ይገብሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስዚ ብዝተኣሳሰር ንዝጠርጠርዎም፣ ኣባላት ሰራዊት፣ ነጋዶን ካልኦትን ብኣልማማ ይቕይዱ ከምዘለው ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።

እቲ መንግስቲ ኣብዝ ሓለፈ ቅንያት፣ ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር፣ መርሃዊ መለስ፣ ወነንቲ ዮናን ፕሮዳክሽን ዳኒኤል ኣብርሃምን ዮናስ ሰሎምንን ዝርከብዎም ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ፣ ምፍራይ ፊልምን ሙዚቃን ተዋፊሮም ንዝርከቡ ሓያሎ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልም፣ ደረስትን ኣፍረይትን ምእሳሩ ይዝከር።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0