ኤርትራ፣ ወነንቲ ንግዳዊ ትካላት ብዝተወሰነሎም ግምታዊ ግብሪ የማርሩ

ኤርትራ፣ ወነንቲ ንግዳዊ ትካላት ብዝተወሰነሎም ግምታዊ ግብሪ የማርሩ

Radio Erena: 19 December 2017

Shops in Asmara

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ናይ ብሕቲ ንግዳዊ ትካላት ዝወሰኖ ግምታዊ ግብሪ፣ ወነንቲ የማርሩ ከምዘለው ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ብሕቲ ትካላት ንግዲ ጀሚርዎ ዘሎ ጽኑዕ ምቁጽጻር፣ ንልዕሊ 300 ዓበይቲ ትካላት ብጉዳይ ዋንነት ናቕፋን ናይ ወጻኢ ባጤራታትን ክዕሽገን እንከሎ፣ ነተን ማእከልቶን ንኣሽቱን ከኣ ምስ ኣታዊታተን ዘይመጣጠን ግብሪ’ዩ ሰሊዑለን ዘሎ።

ሓያሎ ካብዞም ምስ ኣታዊታትና ዘይመጣጠን ግብሪ ክንከፍል ተወሲኑልና ዝበሉ ወነንቲ ንግዳዊ ትካላት፣ ናይ ንግዲ ፍቕዶም ከረክቡ ምዃኖም’ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

 ዕላማ’ዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ብሕቲ ንግዳውያን ትካላት ተወሲኑ ዘሎ ናይ ምዕሻግን ውሳኔ ግምታዊ ግብርን፣ ሃብታማት ንድኻ ህዝቢ ከይረግጽዎ’ዩ ዝብል ወረ ይጋዋሕ እኳ እንተሎ፣ በዚ መንግስቲ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፣ ኣብ ትሕቲ’ዘን ትካላት ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣሽሓት ኣለይቲ ድኻታት ስድራቤታት ስራሕ ኣልቦ ጌርዎም ምህላዉ ኣይዝንጋዕን።

እቲ መንግስቲ፣ ጎኒ ጎኒ’ዚ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣብ ጎደናታት ብእኩብ እናሸቐጡ ንዝናበሩ ሰባት ከልኪሉ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0