ኤርትራ፣ ኣብ ጽዑቕ ክንክን ንዝኣትዉ ሰባት ዘገልግላ 11 መተንፈሲ ማሺናት (Ventilators) ኣለዋ

Radio Erena: 20 April 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ንዝኣትዉ ሰባት ዘገልግላ 11 መተንፈሲ ማሺናት (Ventilators) ከምዘለዋ፣ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ፣ ክፍሊ መጥባሕቲ ነርስ ዝነበረ መንእሰይ ንሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

እቲ ስሙ ክጥቐስ ዘይደለየ መንእሰይ፣ ኣቐዲመን ኣርባዕተ ጥራይ እኳ እንተነበረ፣ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ብሓገዝ መንግስቲ ቻይና ዳግም ድሕሪ ምሕዳሱን ተወሳኺ ህንጻታት ድሕሪ ምህናጹን፣ ሽዱሽተ ናይ መተንፈሲ ማሺናት ወይ Ventilators ከምዝተወሰኾ ኣዘኻኺሩ። ሓንቲ ድማ ዝተበላሸወትን ኣብ ጽገና ዝነበረትን’ያ።

ሓንቲ ማሺን ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር’ዩ ዋግኣ ዝበለ እቲ ነርስ፣ ብዝሒ ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ወይ ድማ ኣብ ጽዑቕ ክንክን ዝኣትዉ ሰባት ኣብ ዘይህልወሉ እዋን፣ ኣድላይነት ዘይብለን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ከምዚ ናይ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ ናዊቲ ሕኽምና ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እዚ መሳርሒ’ዚ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብቐሊሉ ዝርከብ ከምዘይኮነ’ዩ ምስዚ ናይ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ዝግለጽ ዘሎ።

ሓሙሽተ ምክትላት ፕረዚደንት ኣብ ዘለዋ ደቡብ ሱዳን ንኣብነት፣ ኣርባዕተ መተንፈሲ ማሺናት ወይ Ventilators ጥራይ ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ Ventilators ዘለወን ሃገራት ዓለም’ያ እናተባህለት እትግለጽ ዘላ ሃገር ድማ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ኮይና 3 ጥራይ ትውንን።

ሃገራት ዓለም፣ ነዚ ኣብ ሃለዋቶም ንዘጥፍኡን ኣብ ጽዑቕ ክንክን ንዝኣትዉን ሰባት ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ መስተንፈሲ መሳርሒ ካብ ቻይና ንምሽማት ኣብ ምሽማው’የን ዝርከባ።

እተን በዚ ለበዳ ብኸቢድ ዝተሃስያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ዝጸንሐን ኣሽሓት Ventilators ናብ ልዕሊ 10 ሽሕ ከደይብኦ’የን ዝርኣያ ዘለዋ።

ስእሊ፣- ሰነዳት ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0