ቻድ፣ 44 እሱራት ሞይቶም ተረኺቦም

Radio Erena: 21 April 2020

ኣብ ቻድ፣ ምስ ኣባላት ሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ምዃኖም ዝተገልጹ 44 እሱራት ሞይቶም ተረኺቦም።

እቶም ኣብ ከተም ጄሜና ኣብ ዝርከብ ቤት ማሰርቲ፣ ኣብ ሓደ ክፍሊ ተታሒዞም ዝነበሩ እሱራት፣ ብ16 ሚያዝያ ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ዝሓበረ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር፣ ዮሱፍ ቶም፣ ጠንቒ ሞቶም ምስማም ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ሬሳ ናይ ኣርባዕተ ካብቶም ሞይቶም ዝተረኽቡ እሱራት ኣብ ዝተገብረ መርመራ፣ ጭንጉዕ ደም ካብ ሊቢ ደው ዘብል ሓደገኛ ቀመማዊ ባእታ ከምእተረኽበ፣ እቲ ኣኽባር ሕጊ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቶም እሱራት፣ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፣ ሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ንምህዳን ካብ 31 መጋቢት ክሳብ 8 ሚያዝያ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ካብ ዝተታሕዙ 58 ሰባት’ዮም ኔሮም።

ጠንቂ ምስማሞም፣ ባዕላቶም ዝወደብዎ ጃምላዊ ርእሰ ቅትለት ድዩ ወይስ ብናይ ግዳም ኣካላት ዝተፈጸመ’ዩ ዛጊት ዝነተነጸረ ነገር የለን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0