ኤርትራ፣ ኣብ ደረጃታት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ

ኤርትራ፣ ኣብ ደረጃታት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ

Radio Erena: 14 March 2017

Cycling Team

ኣብ ግብጽን ጋቦንን፣ ኣብ ዝተኻየደ ዓበይቲ ቅድድማት ኣህጉርና ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ዝወርሐት ኤርትራ፡ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI)፡ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓድሽ ደረጃታት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ካብ ሞሮኮ ብምምንዛዕ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ።

ኤርትራ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ ዝኸኣለት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብ64 ነጥቢ ቀዲማታ ንዝነበረት ሞሮኮ ኣርኪባ ብምሕላፍ እያ።

በዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ሓድሽ ደረጃታት መሰረት፡ ኤርትራ ነጥባ ካብ 1302 ናብ 1480 ከተበርኾ እንከላ፡ ሞሮኮ ድማ፡ ካብ 1366.5 ናብ 1462.5 ኣመሓይሻቶ። 1130 ነጥቢ ዘዋህለለት ኣልጀርያ፡ ንኤርትራን ሞሮኮን ስዒባ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሩዋንዳ፡ ኢትዮጵያ፡ ቱኒዝያ፡ ግብጺ፡ ናሚብያን ኣይቮሪኮስትን፡ ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓስራይ ኣብ ዘሎ ተርታ ይርከባ።

ኣብ ናይ ውልቂ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሜሮን ኣብርሃም (ሸቃ) ራብዓይ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ታሽዓይ፡ ሜሮን ተሾመ ድማ ዓስራይ ተርታ ብምሓዝ፣ ምስ ቀዳሞት 10 ብሉጻት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣፍሪቃ ደረጃታት ሒዞም።

ካብ ዝሓለፈ ቀዳም 11 መጋቢት ጀሚሩ፡ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ዙር ካሜሮን ዘይትሳተፍ ዘላ ኤርትራ፣ ኣብ ዝቕጽል ሳምንታት ኣብ ዝወጽእ ደረጃታት ሃገራት፡ መሪሕነታ፡ ነታ ኣብ’ዚ ቱር እትወዳደር ዘላ ሞሮኮ ከተረክባ ተኽእሎ ከምዘሎ ተንተንቲ ቅድድም ብሽክለታ ይገልጹ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0