ሱዳን፣ ብደርቂ ንዝተሃስየ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን 10,000 ቶን ማሸላ ረዲኤት ሂባ

Radio Erena: 14 March 2017

Famine SS

መንግስቲ ሱዳን፣ ብደርቂ ንዝተሃስየ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝውዕል ልዕሊ 90 ሽሕ ኩንታል ወይ ድማ 10 ሽሕ ቶን ማሸላ ረዲኤት ከምዝለገሰ መግለጺ እቲ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝተለገሰ ናይ እኽሊ ረድኤት፣ ኣብ ሓጺር እዋን ናብቲ ብከቢድ ደርቂ ተሃስዩ ዘሎ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ክባጻሕ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ንባዕላ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው እትርከብ ሱዳን፣ ነቲ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ዘድልዮ ጎረቤታ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ልዕሊ 90 ሽሕ ኩንታል እኽሊ ምልጋሳ፣ መርኣያ ሰናይ ድሌት ምዃኑ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነጥፋ ዘለዋ ትካላት ረድኤት ይገልጻ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ተኸሲቱ ብዘሎ ደርቂ፣ ሚልዮናት ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ክኸውን እንከሎ፣ ኣስታት 100 ሽሕ ካብኡ ግና ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ከምዘድልዮ መንግስቲ እታ ሃገር ዝሓለፈ ሰሙን ኣዊጁ’ዩ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ኣዴታትን ህጻናትን ዝርከብዎም ሚልዮናት ሰባት ግዳያት ከይገበረ እንከሎ፣ ብኣግኡ ንምርድኡ፣ ሃብታማት ሃገራት ህጹጽ ረዲኤት ክልግሳ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሶማል ሃንደበታዊ ምብጻሕ ዝፈጸመ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0