ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍደጋ ባንክታት ተጻናቲኻ፣ ገንዘብ ንዘውጽኡ ሰባት ምዝማት ይገንን

ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍደጋ ባንክታት ተጻናቲኻ፣ ገንዘብ ንዘውጽኡ ሰባት ምዝማት ይገንን

Radio Erena: 12 June 2017

housing Bank

ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ኣፍደጋ ባንክታት ተጻናቲኻ፣ ገንዘብ ንዘውጽኡ ሰባት ምዝማት ግኑን ተርእዮ እናኾነ ይመጹ ከምለዉ ተሓቢሩ።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዋ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ዝጠቕስ መልእኽታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብ ግኑን ጉዳያት ኮይንጁ ዘሎ ስርቂ ምዃኑ ብምትሕስሳብ፣ ብፍላይ ገንዘብ ካብ ባንክታት ንዘውጽኡ ሰባት ተጸናቲኻ ምዝማት ናይ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣብ ኣውቶሳትን ናይ ዕዳጋ ቦታታትን፣ ስርቂ ግኑን ተርእዮ’ዩ ዝበሎ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ድማ ምስ መዓልታዊ እናኸፍአ ዝመጽእ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኣስሚሮም።

እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ፣ ገዛ ገዛን ኣብ መዐደሊ ነቑጣታትን ዝፍጸም ስርቂ ዓታሩ ጋዝን፣ ሓደ እዋን ኣዛራቢ ኮይኑ ምንባሩ ብምዝክኻር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ካብ ባንክ ገንዘብ ንዘውጽኡ ምስራቕን፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ገንዘብ ንዝተሓወለሎም ከኣ ምዝማትን ጎሊሑ ይርአ ምህላዉ ጠቒሶም።

ብስም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ካብ ወጻኢ ገንዘብ ንዝተሓወለሎም ሰባት ገንዘብ ምዝማት ገኒኑ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤርትራ ዳርጋ ናብ ምጥፋእ ገጹ ከይዱ ዝነበረ ከም ስርቂ፣ ልመናን ምንዝርናን፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም ህዝቢ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ኣብ ዝመጸለን ኣብዘን ዝሓለፈ ኣስታት 15 ዓመታት፣ ብብዝሒ ይርአ ምህላዉ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0