የመን፣ ሑቲ ኣብ ዝቖጻጸሮ ቦታ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣቃልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለም ይሓቱ

የመን፣ ሑቲ ኣብ ዝቖጻጸሮ ቦታ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣቃልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለም ይሓቱ

Radio Erena: 12 June 2017

Er Refugees in Yemen

ኣብ የመን፣ ሑቲ ኣብ ዝቆጻጸራ ሓዲጋ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም ቆላሕታ ክገብረሎም ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ጸዊዖም።

እቶም፣ ኣብዚ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣቢሎም ናብ የመን ካብ ዝኣተዉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቀይሕ መስቀል ይኹን ወኪል ላዕለዋይይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሃለቶም ዝገበረ ኣካል ከምዘየለ ሓቢሮም።

እዞም ካብ ባጽዕ፣ ዳህላክ፣ ዓሰብን ካብ ካልእ ክፋላት ገማግም ቀይሒ ባሕሪን ተበጊሶም ኣብዚ ኣስታት ሓደ ዓመት ተበግሲኦም ናብ የመን ዝኣተዉ ልዕሊ 100 ኤርትራውያን፣ የመን ኣብ ኵናት እናሃለተ ናብ ሃገር ክኣትዉ ዝወሰንሉ ምኽንያት፣ ካልእ ኣማራጺ ስክለዝሰኣኑ ምዃኖም ገሊጾም።

ምስኦም ተታሒዞም ዝነበሩ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ካብቲ ቦታ ከምዝገዓዙ ዝሓበሩ እቶም ኤርትራውያን፣ ንሳቶም ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ሑቲ ከምዝእሱራት ከምዘለዉ ጠቒሶም።

ኣብ የመን፣ ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት፣ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ኣማኢት ኤርትራውያን ፈቐድኡ ክበታተንዩ እንከለኡ፣ እቶም ኣብ ከተማታት ዝጸንሑ ከኣ ብዘይረዳኢ ኣብ ጎደናታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

 

ስእሊ፣- ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ የመን (ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0