ስዑዲ ዓረብ፣ ማልያ ባርሴሎና ንዝወድዩ ዜጋታታ ክሳብ 15 ዓመት ክትኣስር ምዃና ተጠንቅቕ

ስዑዲ ዓረብ፣ ማልያ ባርሴሎና ንዝወድዩ ዜጋታታ ክሳብ 15 ዓመት ክትኣስር ምዃና ተጠንቅቕ

Radio Erena: 13 June 2017

Barca

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ሓያሎ ሃገራት ዓረብ፡ “ቀጠር ምስ ግብረሽበራውያን ምትእስሳር ኣለዋ።” ብዝብል ክሲ ምስ’ታ ሃገር ዝነበረን ዝምድና ድሕሪ ምብታኸን፡ ማልያ ስጳኛዊት ክለብ ባርሴሎና ወድዩ ዝተረኽበ ዜጋ 15 ዓመት ማእሰርቲን 120 ሽሕ ፓውንድ እንግሊዝን ክትቀጽዕ ምዃና እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

ስዑዲ ነዚ መጠንቀቕታ እትህብ ዘላ፣ ኣብ ማልያ ባርሴሎና ምውዕዋዕ ዝግበረሉ፣ ዋንነት መንግስቲ ቀጠር ዝኾነት፡ መንገዲ ኣየር ቀጠር፡ ሓደ ካብቶም ምስ ግብረሽበራውያን ምትእስሳር ዘለዎም ትካላት ቀጠር’ዩ ካብ ዝብል’ዩ።

ማልያ ስጳኛዊት ክለብ ባርሴሎና፣ ኣብ ቅድሚት፡ ንመንገዲ ኣየር ቀጠር፡ ዘዋዓውዕ “Qatar Air ways” ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ደገፍቲ ክለብ ባርሴሎና ዝኾኑ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ፡ ግድን ነቲ ኣብ ስዑዲ ተኣጊዱ ዘሎ ማልያ ክንለብሶ ኢና እንተድኣ ኢሎም፡ ነቲ “Qatar Air ways” ዝብል ጽሑፍ ሸፊኖም ወይ ቀሊጦም ክወድይዎ ከም ዝኽእሉ እታ ሃገር ድሒራ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣነጺራ።

ንኣርባዕተ ዓመታት ንመንገዲ ኣየር ቀጠር ኣብ ማልያኣ ዘዋዓወዐት ባርሴሎና፡ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ጀሚራ፡ ‘ራኩተን’ ምስ ዝተባህለት ጃፓናዊት ኩባንያ ኤሌክትሮኒካዊ ንግዲን ኢንተርነትን፡ ሓድሽ ውዕል ክትኣቱ ትጽቢት ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ናይ ምውዕዋዕ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕለሉ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፣ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ ንማልያ ባርሴሎና ብዘይስክፍታን ሽቑረራን ከም ድሌቶም ንምልባሱ ክኽእሉ’ዮም።

ዋንጫ ዓለም 2022 ንምእንጋድ ኣብ ምሽብሻብ እትርከብ ቀጠር፡ እቲ እንኮ ምስ ካልእ ሃገር እትራኸበሉ ናይ ምድሪ መንገዲ ምስ ስዑዲ ዓረብ ጥራይ ብምዃኑ፡ ነዚ እተካይዶ ዘላ ምድላዋት ብኣሉታ ከይጸሉ ስግኣት ብዙሓት’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0