ኤርትራ፣ ኣብ ኢራን ዘለዋ ተስፋ ትገልጽ

ኤርትራ፣ ኢራን በቲ ሒዛቶ ዘላ ፖለቲካዊ ጽልዋ፣ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምውሓስ ዓቢ ተራ ክትጻወት ትኽእል’ያ ኢላ ከምእትኣምን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ገሊጹ።
ሚኒስተር ዑስማን ኣብ ዋዕላ ሻራ ዘይብለን ሃገራት ኣብ ዝተሳተፈሉ ኣብ ዝሃቦ መደረ፣ እቲ ማሕበር ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ባህላዊን፣ ቁጠባዊን ዝምድና ንኽድልድል ኢራን ዝተጻወተቶ ተራ ዕዙዝ’ዩ ክብል ገሊጹ።

ኣብዚ ኢራን ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ቁርቁስ እትርከበሉ ዘላ እዋን፣ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት መርገጺ ምውሳዳ፣ ነቲ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ዘይምቅዳው ዝያዳ ዘጋድድ’ዩ ክብሉ ምዕራባውያን ተንተንቲ የመልክቱ።
ኣቐድም ኣቢሉ ኢራንን ኤርትራን ወተሃደራዊ ዝምድና ከምዘለወን፣ ኢራን ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ይግለጽ’ኳ እንተነበረ፣ ኤርትራ ናይ ኣሉታ መልሲ ከምዝሃበትሉ ይዝከር።
መብዛሕትአን ኣባላት ማሕበር ሻራ ዘይብለን ሃገራት፣ ብቑጠባ ዝደሓራ ሃገራት ዓለም ምዃነን ይግለጽ። ኣብቲ ካብ 26 ክሳብ 31 ነሓሰ ዝካየድ ዋዕላ ንኤርትራ ወኪሉ ዝተሳተፈ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ ምስ ኢራናዊት መዘንኡ ተራኺቡ ከምዝዘተየ’ውን ኣሶሼትድ ፕረስ ሓቢሩ።
እንተኾነ ንውጽኢት ርክቦም ብዝምልከት ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0