ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ሕማቕ ከምዘሎ ተገሊጹ

ኣብ ሊብያ በንቓዚ ዝርከቡ ልዕሊ 400 ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ፣ ነቶም ግዳያት ኣዘራሪቡ ኣብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣጀንሲያ ሓበሻ ኣፍሊጡ።

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣጀንሲያ ሓበሻ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ እቶም ግዳያት ንሓያሎ ሳምንታት ከምዝተኣስሩን፣ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ይወርዶም ከምዘሎን ኣመልኪቱ።
ምምሕዳር ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ግቡእ ስርሑ ይሰርሕ ስለዘየሎ፣ ብረት ዝዓጠቑ ኣባላት ጸጥታ፣ ክሳብ ንደቀንስትዮ ምግሳስ ዝኸይድ ኣደራዕ የውርዱሎም ኣለዉ።
ሊብያውያን ሰበስልጣን፣ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከይሰግሩ ክኽልከሉ ዝብል ብገለ ሃገራት ኤውሮጳ ንዝተኻየደ ስምምዕ ምትግባር ዝብል ምስምስ የቕርቡ ስለዘለዉ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ብቐጥታን ተዘዋዋሪን ተሓታቲ ከምዝኾነ ኣጀንሲያ ሓበሻ ይኸስስ።
ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ሰብኣዊ መሰሎም ክኽበር ከምዘለዎ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ኣጀንሲያ ሓበሻ፣ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ናይ’ዞም ግዳያት ክወስድን ኩነታቶም ብቐረባ ክከታተልን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0