መንግስቲ እስራኤል ግፋ ከካይድ መዲቡ

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክቱር ጽልኢ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ብሙሉኦም ክጥረዙ’ለዎም ክብል ምስ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፣ ኩሎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከእትዎም መደብ ከምዘለዎ ይገልጽ።
ኤሊ ዪሻይ ብተወሳኺ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ምላሽ ኮነ ደገፍ ከይተጸበየ ካብ ዕለት 15 ጥቅምቲ ጀሚሩ፣ ገዛ ገዛ ብምእታው ግፋ ክካየድ መደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ብዙሓት እስራኤላውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራውያን ትካላትን፣ ነዚ ናይ ኤሊ ዪሻይ መግለጺ፣ ‘ዓሌታዊን፣ ርኡይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን’ዩ’ ክብላ ኣብ ልዕሊኡ ተሪር ነቐፌታ ኣቕሪበን።
እቲ ሚኒስተር፣ ቅድሚ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ማለት ቅድሚ 15 ጥቅምቲ ብፍቓዱ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝደለየ ስደተኛ፣ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ገንዘባዊ ሓገዝ ክግበረሉ ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ፣ ብፍላይ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ጻውዒት ብተደጋጋሚ ከምዝነጸጉዎ ይፍለጥ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ቤት ፍርዲ እስራኤል ብዝወሰኖ መሰረት ከባቢ 1,500 ዝኾኑ ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ተገይሩ’ዩ።
እንተኾነ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕደራ ተገዲዶም ዝወጹ’ደኣምበር ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ብዘይምዃኖም፣ ናይ ስደተኛ መሰሎም ተሓልዩ፣ እንተወሓደ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝጣየሱሉ መንገዲ ክናደ ኣለዎ ክብሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0