ኤርትራ፣ ንሰበ ስልጣንን ካልኦትን ኣብ ካርቱም ዝወሃብ ዝነበረ ሕክምና ናብ ኢትዮጵያ ንምስግጋሩ ይስርሓሉ

ኤርትራ፣ ንሰበ ስልጣንን ካልኦትን ኣብ ካርቱም ዝወሃብ ዝነበረ ሕክምና ናብ ኢትዮጵያ ንምስግጋሩ ይስርሓሉ

Radio Erena: 09 January 2019

      ንሕክምና ናብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም ክኸዱ ዝጸንሑ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ካልኦትን፣ ናብ ኢትዮጵያ ንምስግጋሩ ይስርሓሉ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

 ኣቐዲሙ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ካርቱም ምስ እትርከብ ናይ ብሕቲ ክሊንክ ብዝኣተዎ ስምምዕ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ሆስፒታላታ ሓይሊ ኣየርን፣ ሰምበልን ኦሮታን ሕክምና ክግበረሎም ዘይክኣሉ ማእከሎት ሰበ ስልጣናቱን ካልኦትን ናብ ካርቱም ክልእኮም ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

      እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ብሰንኪ ዘሎ ዘይምርግጋእን ምስ ኢትዮጵያ ድማ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ዝምድናን፣ እቲ ናይ ካርቱም ተሪፉ፣ ንሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ክልኣኹ’ዮም።

      እንተኾነ እዚ መዓስ ግብራ ከምዝኸውንን፣ ምስ ኣበየነይቲ ክሊኒክ ወይ ሆስፒታል ስምምዕ ተኸቲሙን ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

      35 ሓደስቲ ዝተመርቑ ኢትዮጵያውያን ሓካይምን ሓሙሽተ ክኢላታትን፣ ንክልተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ወለንታዊ ኣገልግሎት ክህቡ ዝሓለፈ ቅነ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ኣይርሳዕን።

      መንግስቲ ኤርትራ፣ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱን እሙናት ኣገልግልቱን፣ ኣብ ዱባይ፣ ኣቡዳቢ፣ ስዑዲ ዓረብን ኢጣልያን ንሕክምና ከምዝልእኮም ይፍለጥ።

      ነባሪ ሕማም ንዘለዎም ሓያሎ እሙናቱ ድማ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ብምሕታት ናይ ናጻ ሕክምና ከምዝረኽቡ ክገብር ምጽንሑ ዝተፈላለዩ ወገናት የረጋግጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0