ኢትዮጵያ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊታ ካብ ምንቅስቓስ ደው ኣቢላቶ

ኢትዮጵያ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊታ ካብ ምንቅስቓስ ደው ኣቢላቶ

Radio Erena: 09 January 2019

ኢትዮጵያ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ናይ ምንቅስቓስ መደባት ደው ከተብሎ ከምዝወሰነት ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ሓቢሩ።

ንሱ፣ ብ8 ጥሪ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ “ሰራዊት ካብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ከይስሕብ ብህዝቢ ትግራይ ተዓጊቱ” ንዝብል መግለጺ ግጉይ ኣበሃህላ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ንዝዓጠቐ ክዓግት ዝኽእል ህዝቢ ከምዘየለ ኣረዲኡ።

ይኹን’ ምበር፣ ገለ ሰብ ረብሓ፣ ነቲ ምስሓብ ሰራዊት ካልእ መልክዑ እንትሓዙ፣ ንቆልዓ ሰበይቲ ብምውፋር፣ ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ደው ክብሉ ምግባሮም ጠቒሱ።

ሰራዊት ብዝህቢ ንምዕጋት ዝተኻየደ ፈተነ፣ ከም ዓቕሚ ዘይብሉን ብጸላእቲ ከምዝነዓቕን ስለዝገብሮ፣ደጊሙ ክርአ ዘይብሉን ዘይሕጋውን ተግባር ምዃኑ’ውን ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣጠንቂቑ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ ፍጻሜ፣ ካብ ኣፍልጦ መንግስቲ ክልል ትግራይ ወጻኢ’ዩ ክብል ድማ ደሚዲሙ።

ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብወገኑ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ህዝቢ ንምንቕስቓስ ሰራዊት ክዓግት ምፍታኑ ግጉይ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝስሕበሉ ዝነበረ እዋን ብነበርቲ ከባቢ ሽረ ከምዝተዓግተ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ’ውን ህዝቢ ከባቢ ፋጼ ተመሳሳሊ ፈተነ ከምዝወተሰደን ዝዝከር ኮይኑ፣ ንክልል ትግራይ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ሓደጋታት ከይትኣልየ፣ ብፍላይ ከበድቲ ኣጽዋር ካብቲ ክልል ወጻኢ ክንቀሳቐስ ከምዘይብሉ ዝጠልብ’ዩ ኔሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝንቀሳቐስ ሰብን ንብረትን፣ ዝምልከት ሕጊ ይንደፍ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ነዚ ዘፍለጠ፣ ኣቐዲሙ ፍኑው ዝጸንሐ ዶባት ክልትኤን ሃገራት ዝሓለፈ ቅንያት ድሕሪ ምዕጻው’ዩ።

እቲ ሚኒስትሪ፣ ብዛዕባ’ቲ ምዕጻው ዶባት ብዝምልከት ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምጥቓሱ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0