ፕረዚደንት ሱዳን፣ ምስ ስእነት መድሃኒታት ብዝተሓሓዝ ንሚኒስተር ጥዕና ካብ ስልጣኑ ሰጕጉዎ

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ምስ ስእነት መድሃኒታት ብዝተሓሓዝ ንሚኒስተር ጥዕና ካብ ስልጣኑ ሰጕጉዎ

Radio Erena: 09 January 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰብ ኣልበሽር፣ ንሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ኣቡዛይድ ሙስጠፋ ካብ ስልጣኑ ከምዝሰጎጎ ኣገግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢራ።

እቲ ፕረዚደንት ነቲ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ዝሰጕግ ዘሎ፣ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ስእነት መድሃኒታትን ናህሪ ዋጋታቱን ተሓታቲ’ዩ ብዝብል ክሲ’ዩ።

ሱዳን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ስትራቴጅያውያን መድሃኒታት ትሳቐ ከምዘላ እቲ ሚኒስተር ኣቐዲሙ ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።

ጠንቂ ስእነት እቲ life savinig ወይ ህይወት ዘድሕን እናታበህላ ዝግለጽ መድሃኒታት፣ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው፣ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ውህሉል ዕዳ ከይከፈለ፣ መድሃኒታት ዘፍርያ ኩባንያታት ወጻኢ ከይሸጣሉ ስለዝኣበያ ምዃኑ፣ እቲ ሚኒስተር ጥዕና የረድእ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብዘን ኩባንያታት መድሃኒት ጥራይ ልዕሊ 37 ሚልዮን ዶላር ዕዳ መድሃኒታት ከምዘለዎ’ውን የመልክት።

ስእነትን ወሰኽ ዋጋታትን መሰረታዊ መግብታትን መድሃኒታትን ዘጎሃሃሩ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ 29 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት በሽር ክእለ’ዩ ዝጠልብ።

ነቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ሓካይም ስራሕ ደው ብናይ ምብላ ኣድማ ተጸንቢሮሞ ይርከቡ።

ንሚኒስተር ጥዕና ካብ ስልጣኑ ዝሰጎገ ፕረዚደንት በሽር፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክውስኽን መነባብሮ ህዝቢ እታ ሃገር ከመሓይሽን ምዃኑ መብጽዓታት ኣትዩ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0