ኤርትራ፣ ብሰንኪ ፕሮቶኮል ሱታፌ ውክልና፡ ኣብ ስነ ስርዓት ምድፋእ ዘውዲ ንጉስ ቻርለስ ከምዘይተሳተፈት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 10 May 2023

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብ06 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምድፋእ ዘውዲ ንጉስ ቻርለስ፣ ንኽትሳተፍ ዝወከላ ሚኒስተር ፍትሒ፣ ወ/ሮ ፎውዝያ ሓሽም፣ ብውክልና ስለዘይፍቀድ ክትግበር ከምዘይክኣለ ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ ብ08 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብኣጋጣሚ ምድፋእ ዘውዲ ንጉስ ቻርለስ 3ይ፣ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ናብ ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን ናይ ዮውሃና መልእኽቲ ከምዝሰደደ ብምጥቃስ፣ ብስም ህዝብን መንግስቲን ኤርትራ፣ ነቲ ንጉስ ኣብ ዘውዳዊ ዕማማቱ፣ ዓወትን ጥዕናን ተመንይሉ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብቲ ስነስርዓት ምድፋእ ዘውዲ፡ ብደረጃ ሚኒስተር ፍትሒ ክሳተፍ ወሲኑን ሓቢሩን እኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ከምእተፈልጠ፡ እቲ ፕሮቶኮል ሱታፌ ብውክልና ስለዘየፍቅድ ግን ከምዘይተተግበረ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

ኣብ ምድፋእ ዘውዲ ንግሱ ቻርለስ ናይ ብሪጣንያ፣ ልዕሊ 2000 ሰባት ከምዝተዓደሙ ዝሓበረት ጋዜጣ ቴሌግራፍ ብወገና፣ ልዕሊ 100 መራሕቲ ዝርከብዎም ወከልቲ ናይ ኣስታት 203 ሃገራት ኣብቲ ኣጋጣሚ ምስታፎም ኣነጺራ።

ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፣ ኣብ ዞባዊን ኣህጉራዊን፣ ናይ ዲፕሎማሲን ይኹን ካልእ ጉዳያት ካብ ምስታፍ ቦኺሩ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብዚ ናይ ብሪጣንያ ምድፋእ ዘውዲ ንጉስ ቻርለስ፣ ንሚኒስተር ፎውዝያ ሃሽም ወኪሉዋ ከብቅዕ፣ ብሰንኪ ፕሮቶኮል ውክልና ኣይተሳተፍናን ካብ ምባል ሓሊፉ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህቦን።

ኣብ ስነ ስርዓት ምድፋእ ዘውዲ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሓያሎ ሃገራት ብምክትል ፕረዚደንት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ካልኦት ሚኒስተራትን ክውከላ እንከለዋ፣ ኢትዮጵያ እትርከበን ብውሕዱ ሽዱሽተ ሃገራት ድማ ብደረጃ ኣምባሳደር ጥራይ’የን ወከልተን ኣሳቲፈን።

ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንሚኒስተር ፎውዝያ ሓሽም ክትሳተፍ ወኪላ ከተብቅዕ፣ ብሰንኪ ናይ ውክልና ናይ ፕሮቶክል ጉዳይ፣ ክትሳተፍ ከምዘይክኣለት ምግላጻ፣ ንጹር ከምዘይኮነ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣረዲኦም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0