‘ኤርትራ፣ ሰብኣዊ መሰላት ዝግሃሰላ ኣሰንባዲት ናይ ራዕዲ ገዛ’ያ።’ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ነበር

Radio Erena: 06 September 2022

ኤርትራ፣ ሰብኣዊ መሰላት ዝግሃሰላ ኣሰንባዲት ወይ ናይ ራዕዲ ገዛ’ያ ክብል፣ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ስቴቨን ዎልክር ገሊጹ።

እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣብ ‘ዘ ኣትላንቲክ’ ኣብ ዘስፈሮ ዓንቐጽ፣ መጀመርያ ኣብ 2019 ናብ ኤርትራ ተመዲቡ ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ሓድጊ መግዛእቲ ኢጣልያ ብዝኾነ ስነ ህንጻ ከተማ ኣስመራን ኩነታት ኣየራን ከምዝተመሰጠ ብምጥቃስ፣ ድሕሩ ነታ ሃገር ምስ ፈለጣ ግና እተሰንብድ ምዃናን’ዩ ኣረዲኡ።

ንሱ ንኤርትራ፣ ተቓውሞ ዘይፍቀዳ፣ ናጽነት ፕረስ ዘይብላ፣ ዜጋታት ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተቖርኑ፣ ኣብ ዘይመረጽዎ ክሰርሑ ዝግደዱ፣ ምርጫ ዝብሃል ርእያ ዘይትፈልጥ፣ ብሃውሪ ምእሳር ንቡር ዝኾነላ፣ ዜጋታት ብፍርሒ ዝሽቑረሩላ ሃገር’ት ክብል ጠቒሱዋ።

ብሓደ ሰልፊ ዝምራሕ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ሕጂ’ውን ምሳና ኣሎ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ እቲ ጽሑፍ ናይቲ ዲፕሎማሰኛ፣ ኤርትራ ምስ ሩስያ ዘነይት ዝምድናን ረብሓን ዘይብላ ክነሳ፣ ስለምንታይ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ደጊፉ ብዝብል ሕቶ’ዩ ተበጊሱ።

ከም ቤላሩስ፣ ሶርያን፣ ሰሜን ኮርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ንሩስያ ምድጋፍን ምኽንያት ክወሃቦ ከምዝኽእል ዘረድአ እቲ ጽሑፍ፣ ኤርትራ ግና ካብ ዘለዋ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ዝነቐለ ጥራይ’ዩ ክብል ደምዲሙ።

ናይ ሓደ ሰልፊ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ብባህሪኡ፣ ኣዕናዊን ዝኾነ ምቕርራብ’ውን ዘይልውጦን ምዃኑ ድማ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኤርትራ፣ ንኹሉ ነገር ክዕብልልን ክብሕትን ክቖጻጸርን ዝደሊ፣ ንወጻኢ ክገሹ ዝደልዩ ዜጋጋቱ ብመውጽኢ ቪዛ ዝገትእ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ካብን ናብን ክዛወሩ’ውን ‘መንቀሳቐሲ’ ዝሓትት ስርዓት ዘመሓድራ ሃገር ምዃና እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ጽሕፉ ኣገንዚቡ።

ብተወሳኺ፣ ኤርትራ፣ ብቁጠባዊ ድሕረት እትሳቐ ድኻ ሃገር ጥራይ ምዃና ከይኣክል፣ ዜጋታት ካብ 330 ዶላር ወይ ኣስታት 5 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ገንዘብ ከውጽኢ ዘይፍቀደሎም፣ ገንዘብ እተውጽኣሉ ዘመናዊ ናይ ባንክ ሳናዱቕ ማሺን ወይ ATM ዘይብላ፣ ብኢንተርነት ዝግበር መስርሕ ባንክ’ውን ገና ዘይኣተዋ ምዃኑ ካልእ ዘተሓሳስብ ነጥቢ ኣስዒቡ።

ኣብ ሕርሻን ካልእ ጽላታትን’ውን ተመሳሳሊ ምዃኑ ዘገነዘብ ስቲቭ ዋልከር፣ ንሱ ይኹን ካልኦት ናብ ኤርትራ ዝተመደቡ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን፣ ሒዞሞ ዝመጽኡ መደባት ዲፕሎማሲን ካልእ ናይ ምትሕግጋዝ መደባትን ተስፋ ቆሪጾም ከምዝምለሱ ብኣብነት ኣረዲኡ።

ንሱ ኣብ መደምደምታ፣ ምስ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ጽምዶ ፍረ ዘይህልዎ ምዃኑን፣ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ ኣፍልጦ ምሃብን እንተተኻኢሉ ምሕጋዙን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስርዓታት ፍተ ፊት ምግጣሞምን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ሰፊሕ ውልቃዊ ትንታነታቱ ሂቡ።

ካብ 2019 ኣትሒዙ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትር ዝነበረ ዲፕሎማሰኛ ስቲቭ ዎከር፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተልእኾኡ ካብ ዝፍጽም፣ ኣመሪካ ዛጊት መተካእታኡ ኣይመዘዘትን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar
    Teklit 2 years ago

    ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ!!! እንተጭኮና ግዳ! ኣሜርካ ትገዳ!

  • comment-avatar
    Cheai Sahlezghi 2 years ago

    Radio Erena. What is your point of exposing the usual American or Western propaganda. I think this shows your dying days like Weyane and the so-called Eritrean “opposition”. I bet that you will be at the annals of history.

  • comment-avatar
    Mogos 2 years ago

    Thanks

  • comment-avatar
    Tesheme kidane 2 years ago

    Very objective and descriptive, sad situation of the country worst than the Polpot regime ln Cambodian history. Even those we Eritrean are responsible to happen to our own people,except few exceptions like Steve Wacker, this tragedy is happening so long under the watchful eyes governments institutions of the world, they bare the responsibility for the measures of the Eritrean people.