ሱዳን፣ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ሓምዳይት ዝርከባ ትካላት ግብረ ሰናይ ጠቕሊለን ክወጻ ጸዊዓ

Radio Erena: 05 September 2022

ሰብ ስልጣን ሱዳን ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ሓምዳይት ዝርከባ ትካላት ግብረ ሰናይ ጠቕሊለን ክወጻ ከምዝጸውዑ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቶም ሰበ ስልጣን ነዚ ጻውዒት ዘቕርቡ ዘለው፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ምዕራብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናብቲ ከባቢ ከይልሕም ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሓምዳይት፣ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ዘዋስን ማእከል መቐበሊ ስደተኛታት ዝርከበሉ ከባቢ ሱዳን’ዩ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝተወልዐ ኵናት፣ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝሃደሙ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ተዓቝቦምሉ ዝርከብ ሓምዳይትን ከባቢኡን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ውግእን ወረ ውግእን ይስማዕ ምስ ምህላዉ፣ ትካላት ግብረ ሰናይ ንድሕነተን ክብላ ክወጻ ሰበ ስልጣን ሱዳን ከምዝተማሕጸኑ’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ካብቲ ኵናት ዝሃደሙ 10ታት ኢትዮጵያውያን ከምዝተቐበለት እትገልጽ ዘላ ሱዳን፣ ሰራዊታ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ከባቢታት ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ምእዛዛ’ውን ክስምዕ ቀንዩ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0