ኤርትራ፣ ሩስያዊ ትካል፣ ኣብ ደንካልያ ናይ ዝፈሪ ፖታሽ ውዕል ንግዲ ይኽትም

ኤርትራ፣ ሩስያዊ ትካል፣ ኣብ ደንካልያ ናይ ዝፈሪ ፖታሽ ውዕል ንግዲ ይኽትም

Radio Erena: 14 June 2018

eurochዋንነቱ ናይ ሩስያ ዝኾነ ትካል “ኤሮከም -EuroChem” ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ዳንካልያ፣ ከባቢ ኮሉሊ፣ ዕደና ምስ ዘካይድ ዘሎ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ዳናካሊ፣ ውዕል ንግዲ ፖታሽ ከምዝተሰማምዐ ብሰሉስ 12 ሰነ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ምፍራይ ድዅዒን ካልእ ከሚካላዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ቀመማትን ኣብ ምፍራይ ዝነጥፍ ትካል፣ ኣብ ኤርትራ ንዝፈሪ ፖታሽ ናይ ምሻጥን ምክፍፋልን ምሉእ መሰል ክህልዎ’ዩ ውዕል ኣትዩ ዘሎ።

እቲ ናይ ንግዲ ውዕል፣ ውጽኢቱ ተራእዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመታት ዝሕድስ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዳህሳስን ኩዕታን ፖታሽ ከካይድ ዝጸንሐ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ዳናካሊ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ንዕዳጋ ዝበቅዕ ፍርያት ከቕርብ ትጽቢት ይገብር።

ኩባንያ ዳናካሊ፣ ክሳብ 1 ሓምለ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ንዕዳጋ ዝበቕዕ ፓታሽ ከፍሪ እንተዘይክኢሉ፣ እቲ ውዕል ክቋረጽ ምዃኑ ትካል ‘ኤሮከም’ ኣነጺሩ።

ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ ኣብቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝውነን ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና ብሽራኽ ዘካይዶ ዘሎ ፕሮጀክት ኮለሊ፣ ሚልዮናት ቶን ዝግመት ዕቑር ፖታሽ ከምዘለዎ ተገምጊሙ ኣሎ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0